ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/01 ገጽ 1
  • ‘ቃል ኣምላኽ መስለጢ ኢዩ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ቃል ኣምላኽ መስለጢ ኢዩ’
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ቃል ኣምላኽ ዚዓዪ እዩ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ብዜእምን መገዲ ምሃር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዚግባእ ተጠቐመሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ንቓል ኣምላኽ ትጣበቐሉ ዲኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
km 5/01 ገጽ 1

‘ቃል ኣምላኽ መስለጢ ኢዩ’

1 ሃዋርያ ጳውሎስ “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብ. 4:⁠12) እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ቃል ወይ መልእኽቲ ኣምላኽ ኣብ ደቅሰብ ሓያል ጽልዋ ኸሕድር ይኽእል ኢዩ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ ጥበብ ንህይወት ደቅሰብ ናይ ምምሕያሽ ሓይሊ ኣለዎ። እቲ ዝህበና ምጽንናዕን ተስፋን ንደቅ​ሰብ ናብቲ ወሃብ ህይወቶም ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ይስሕቦም ኢዩ። ሒዝዎ ዘሎ መልእኽቲ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ኣብታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት እትመርሕ መገዲ ጕዕዞ ንኽጅምሩ ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ነዚ ፍረ እዚ ንምርካብ ንኻልኦት ክንምስክረሎም ከሎና መጽሓፍ ቅዱስ ክንጥቀም ኣሎና።

2 ኣብ ዝረኸብካዮ ዘበለ ኣጋጣሚ ጥቕሲ ኣንብበሎም:- ገሊኣቶም ኣስፋሕቲ ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዘገልግልሉ እዋን ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይጥቀሙን ኢዮም። ንስኻኸ ከምኡ ዲኻ፧ ብዙሓት ሰባት ንውሕ ዝበለ ዝርርብ ንምግባር ግዜ ዘለዎም ስለ ዘይመስሉ: ጽሑፋት ጥራይ ናይ ምብርካት ወይ ጥቕሲ ብኣፍካ ናይ ምጥቃስ ልምዲ ኣጥሪኻ ትኸውን ኢኻ። መልእኽትና ብርግጽ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ምዃኑ ሰባት ምእንቲ ኽግንዘቡ: ኣስፋሕቲ ነቲ ብስራት ከካፍሉ ኸለዉ እንተ ወሓደ ሓንቲ ጥቕሲ ንምንባብ ልባዊ ጻዕሪ ኽገብሩ ነተባብዕ።

3 ብዙሓት ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ልምዲ ዘይብሎም እኳ እንተዀኑ: ብሓፈሽኡ ግን የኽብርዎ ኢዮም። ትሑዛት ሰባት እውን ከይተረፉ እቲ መልእኽቲ ብቐጥታ ኻብ ቃል ኣምላኽ ክንበበሎም ከሎ ንሓደ ወይ ክልተ ደቒቕ ክሰምዑና ይኽእሉ ኢዮም። ምስ ኣርእስትኻ ዝሰማማዕ ጥቕሲ ብውዕዉዕ ስምዒት ምስ ዝንበብን ሕጽር ዝበለ መግለጺ ምስ ዝወሃቦን: ቃል የሆዋ ኣብቲ ሰማዒ ኣወንታዊ ጽልዋ ኸሕድር ይኽእል ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ነቲ ናይ መእተዊ ሓሳባትካ ምስቲ እተንብቦ ጥቕሲ ብኸመይ ኢኻ ከተተሓሕዞ እትኽእል፧

4 መጽሔት ክትዕድል ከሎኻ ፈትኖ:- ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ መጽሔታት ክዕድል ከሎ ንቕዱሳት ጽሑፋት ብግቡእ ይጥቀመሉ ኢዩ። ንእሽቶ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ጁባኡ ይማላእ እሞ ነቲ መጽሔታት ምስ ኣርኣየን ብዛዕባ እንታይ ምዃኑ ኣሕጽር ኣቢሉ ምስ ገለጸን: ሰጋእ መጋእ ከይበለ መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺሉ ምስቲ ዓንቀጽ ዝተሓሓዝ ጥቕሲ የንብብ። ንሕና እውን “ብዛዕባ እዚ ሕጂ ዘንብበልካ ዘተባብዕ መብጽዓ እንታይ ሓሳብ ኣሎካ፧” ኢልና ድሕሪ ምሕታት ነታ መሪጽና ዘዳሎናያ ጥቕሲ ከነንብብ ንኽእል ኢና።

5 ንነፍሲ ወከፍ ሰማዒኻ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ወይ ክልተ ጥቕሲ ከተንብ​በሉ ሸቶ ግበር። መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ሓያል ጽልዋ ንሰባት ናብ ኣምላኽ ንኽሰሓቡ መገዲ ክኸፍት ይኽእል ኢዩ።​—⁠ዮሃ. 6:⁠44

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ