ዩናይትድ ባይ ዲቫይን ቲቺን
—ናይ ሓቂ ሕውነታዊ ሓድነት እተራእየሉ ኣጋጣሚ
ሓደ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ንሓንቲ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምምጻእ ዘይጀመረት ሰበይቲ ጽንዓት ክግበረላ ኸሎ ኣብኡ ተረኽበ። ነታ ሰበይቲ ኸኣ እታ ዩናይትድ ባይ ዲቫይን ቲቺን ዘርእስታ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ኽትርኢ ሓሳብ ኣቕረበላ። ኣብታ ሰሙን እቲኣ እታ ሰበይቲ ናብ ኣኼባ መጸት: በዚ ድማ ኣዝያ ሕጕስቲ ምዃና ገለጸት። እዛ ቪድዮ እዚኣ ከምዚ ዝኣመሰለ ቕልጡፍ ፍረ ዘፍረየት ስለምንታይ ኢያ፧ ኣብ መንጎ እዛ ናዕብን ጽልእን ዝመልኣ ዓለም ነቲ ብርቂ ዝዀነ ሕውነታዊ ሓድነትና ብምርኣያ ኢያ ተመሲጣ።—ዮሃ. 13:35
ነቲ ኣብ መላእ ምድሪ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዎም ሰላምን ፍቕርን ምእንቲ ኽትርእዮን ኽትጥዕሞን ነዛ ቪድዮ እዚኣ ረኣያ። ድሕሪኡ ነዚ ስዒቡ ዘሎ ሕቶታት ኣስተንትነሉ:-
(1) “መለኮታዊ ትምህርቲ” ነቲ ናይ 1993-94 ዓበይቲ ኣኼባታትና ዝሰማማዕ ኣርእስቲ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧—ሚክ. 4:2
(2) ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንገሊአን ስድራቤታት ክሳዕ ክንደይ ኣገዳስነት ኣለዎ፧ ንስድራቤትካኸ፧
(3) ብየሆዋ ኽንመሃር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧—መዝ. 143:10
(4) ዓቢ ኣህጉራዊ ኣኼባ ንምግባር እንታይ ዓይነት ብድሆታት ኢዩ ኽስገር ዘለዎ፧
(5) ኣብ እተኻፈልካዮ ክርስትያናዊ ዓበይቲ ኣኼባታት መዝሙር 133:1 ከምኡውን ማቴዎስ 5:3 ብኸመይ ክንጸባረቕ ርኢኻ፧
(6) መለኮታዊ ትምህርቲ ሓያል ጽልዋ ኸም ዘለዎ እንታይ ቕሉዕ መርትዖ ኢዩ ዘሎ፧—ራእ. 7:9
(7) ካብ ዅሉ ንላዕሊ ዝበዝሐ ቝጽሪ ተጠመቕቲ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እተመዝገበሉ ኣጋጣሚ ኣየናይ ኢዩ፧
(8) ሚክያስን ጴጥሮስን የሱስን እተዛረብዎ ኣየናይ ቃላት ኢዩ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ፍጻሜኡ ዝረክብ ዘሎ፧
(9) ዘሐጕስን ሓድነት ዘለዎን ሰብኣዊ ስድራቤት ትምኒት ጥራይ ከም ዘይኰነ ዘረጋግጸልካ እንታይ ኢዩ፧
(10) እዛ ቪድዮ እዚኣ ንመን ከተርእዮም ኢኻ: ስለምንታይከ፧
ሓንቲ ሓብቲ ነዛ ቪድዮ እዚኣ ምስ ረኣየታ: ከምዚ ብምባል ጥቕልል ዝበለ ጽቡቕ ሓሳብ ሂባ ኢያ:- “እዛ ቪዲዮ እዚኣ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ክርስትያን ኣሕዋትን ኣሓትን: ልክዕ ኣብዛ እዋን እዚኣ . . . ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም የገልግሉ ኸም ዘለዉ ብቐጻሊ ኽዝክር ሓጊዛትኒ ኢያ። . . . እቲ ክርስትያናዊ ሓድነትና ኽሳዕ ክንደይ ክቡር ኰን ኢዩ!”—ኤፌ.4:3