ካብ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ወትሩ ተጠቐም
ብጶስጣ ዝለኣኽ ዝነበረ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ኵንትራት ንኽቋረጽ ውሳነ ተገይሩ ኢዩ። ስለዚ: ንሕና ዀንና እቶም እንሰብከሎም ሰባት ዋላ ሓንቲ ሕታም ከይትሓልፈና ጻዕሪ ኽንገብር የድልየና።
ናይ ብሕቲ ቕዳሓት:- ናይ ብሕትኻ ዅንትራት ዕለቱ ምስ ወደቐ: ቍጽሪ ናይቲ እትእዝዞ መጽሔት ኣዛይዶ። እቲ ጽሑፋት ናብታ ሃገር ንኽኣቱ ዘየሸገር እንተ ዀይኑ: ወለዲ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤቶም ናይ ገዛእ ርእሱ መጽሔት ምእንቲ ኽህልዎ እኹል መጽሔታት ኽእዝዙ ኣለዎም። ኣብቲ ናይ ብሕቲ ቕዳሕካ ስምካ ትጽሕፍ እንተደኣ ዄንካ: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ብጌጋ ኣይከተበርክቶን ኢኻ። መጽሔታት ምስ መጸ: እቶም ነዚ ዝሕዙ ኣሕዋት ንነፍሲ ወከፍ ሕታም ብቕልጡፍ ኣብቲ ጉባኤ ክቕርብዎ ኢዮም።
ምብጽጻሕ መጽሔት:- ኣስፋሕቲ ዝከኣል እንተደኣ ዀይኑ ነቶም ነፍሲ ወከፍ ሕታም ክመጾም ዝደልዩ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት መጽሔት ንኸበጻጽሑሎም ጻዕሪ ኽገብሩ ኣለዎም። ነዞም ሰባት እዚኣቶም ብኣካል ቐሪብካ መጽሔት ምብጻሕ ነቲ ተገዳስነቶም ኰስኲስካ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ኣጋጣሚታት ይኸፍት ኢዩ።—ናይ ጥቅምቲ 1998 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 8 ርአ።
እቶም ፍሉይ ጸገማት ዘለዎም:- ኣስፋሕቲ ኣብ ዘይተመደብሉ ዞባ ዝነብር ሓደ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ዘለዎ ውልቀ-ሰብ እንተደኣ ኣልዩ: ዝከኣል ምስ ዝኸውን ናይ መጽሔት ኵንትራት ብጶስጣ ንኽመጾ ፍሉይ ምድላው ክግበረሉ ይከኣል ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ናይታ ጉባኤ ዞባ ንዝርከብ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ መጽሔት ንኸተብጽሓሉ ዘሸግር እንተደኣ ዀይኑ: ነቲ ጕዳይ ምስ ናይ ጉባኤኻ ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ ተመያየጠሉ። እንተ ተሰማሚዖምሉ ዅንትራት ከተእትዎ ትኽእል ኢኻ። እቲ ናይ ኵንትራት መእተዊ ቕርጻ (M-1 ከምኡውን M-101) ነዚ ዕላማ እዚ ኽትጥቀሙሉ ትኽእሉ ኢኹም።