ሕቶ ሳጹን
◼ ሞባይል ወይ ከኣ መልእኽቲ ዝቕበል ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ (ፔጀር ) ክንጥቀም ከሎና ኽንርስዖ ዘይብልና ነገር እንታይ ኢዩ፧
ከምዚ ዝኣመሰለ መሳርሒታት ዳርጋ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ንሃሉ ብዘየገድስ ካብ ሰባት መልእኽቲ ኽንቅበል የኽእለና ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ኣገልግሎትና ወይ ክርትስትያናዊ ኣኼባታትና ኽዓናቕፈና ኸነፍቅደሉ የብልናን። እዚ ብኸመይ ኢዩ ኸጋጥም ዝኽእል፧
ኣብ ኣገልግሎት ንሓደ ሰብ እናመስከርናሉ ኸሎና ምስ ዝድወለልና ወይ ካብታ መልእኽቲ እትቕበል ናይ ኤለክትሮኒክ መሳርሒትና ድምጺ ምስ ዝስማዕ ብዛዕባ ዘምጽኦ ሳዕቤን እሞ ሕስብ ነብል። እቲ በዓል ቤት እንታይ ኢሉ ኢዩ ክሓስብ ዝኽእል፧ መልእኽቲ ኽንቅበል ኢልና ኣብ መንጎ ምስ እነቋርጽ ነቲ ኽንዛረቦ ዝጸንሓና ሰብ እንታይ ስምዒት ኢዩ ኸሕድረሉ ዝኽእል፧ ሰባት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኸይሰምዑ ዝዓናቕፎም ዝዀነ ይኹን ነገራት ክንገብር ከም ዘይንደሊ ፍሉጥ ኢዩ። (2 ቈረ. 6:3) ስለዚ እምበኣር: ኣብ ኣገልግሎት ከሎና ሞባይል ወይ መልእኽቲ ዝቕበል ናይ ኤለክትሮኒክ መሳርሒ ምስ እንሕዝ ንዓና ይኹን ንኻልኦት ምእንቲ ኸየተዓናቕፍ ኣቐዲምና ድምጹ ኸነጥፍኦ ኸድልየና ኢዩ።
ብጕጅለ ዀይና ኣብ እነገልግለሉ ግዜ መገላግልትና ኽሳዕ ዝምለሱና ንጽበ እንተደኣ ኣሊናኸ፧ ንኣገልግሎት ዝመደብናዮ ግዜ እንተደኣ ዀይኑ ኣእምሮና ኣብቲ ዕዮ እቲ ኸም ዘተኵር ክንገብሮዶ ኸይኰነ ዝግብኣና፧ ነቲ ቕዱስ ኣገልግሎትና ኻብ ዘሎና ኣኽብሮት ብምብጋስ ነቲ ዘየድሊ ብሕታዊ ወይ ማሕበራዊ ጕዳያትና ኣብ ካልእ ግዜያት ንግበሮ። (ሮሜ 12:7) እዚ ኽበሃል ከሎ ግን ምስክርነት ንምሃብ ወይ ምስ ኣገልግሎት እተተሓሓዘ ቘጸራ ንምሓዝ ኢልና ተሌፎን ክንጥቀም የብልናን ማለት ኣይኰነን።
ብመጽናዕቲ ኸም እተረኽበ ማኪና እናዘወርካ ብሞባይል ምዝርራብ ንሓደጋ ኣዝዩ ዘቃልዕ ብምዃኑ ብፍላይ በዚ መዳይ እዚ ጥንቁቓት ክንከውን ከድልየና ኢዩ። እናዘወርካ ሞባይል ከይትጥቀም ዝኽልክል ሕጊ እንተደኣ ኣልዩ ኽንሕልዎ ኣሎና።
ናብ ሰሙናዊ ኣኼባታት: ናብ ፍሉይን ናይ ወረዳን ኣኼባታት: ከምኡውን ናብ ኣውራጃዊ ኣኼባታት እንኸይድ ንየሆዋ ንኸነምልኽን ብእኡ ንኽንመሃርን ኢልና ኢና። ነዚ ቕዱስ ኣጋጣሚታት እዚ ዘሎና ሞሳ: ሞባይል ኰነ መልእኽቲ ዝቕበል ካልእ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ንዓና ወይ ንኻልኦት ምእንቲ ኸየተዓናቕፍ ድምጺ ኸም ዘየስምዕ ንኽንገብሮ ክድርኸና ኣይግባእንዶ፧ ክንምልሰሉ ዘድሊ ህጹጽ ጕዳይ እንተደኣ ኣልዩ: ካብቲ ናይ ኣኼባ ቦታ ወጺእና ኢና ክንገብሮ ዘሎና። ካብኡ ብዝተረፈ ግን ብሕታዊ ይኹን ካልእ መንፈሳዊ ዘይኰነ ነገራት ኣብቲ ንኣምልኾ እተወሰነ ግዜ ዘይኰነስ ኣብ ካልእ ግዜያት ኢና ኽንገብሮ ዘሎና።—1 ቈረ. 10:24
ሞባይል ይኹን መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ዝዀነ ይኹን ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት እንጥቀመሉ ኣገባብ ወትሩ ንኻልኦት ሰባት ከም እንሓልን ንመንፈሳዊ ነገራት ከኣ ዓሚቝ ኣኽብሮት ከም እነርእን ዘንጸባርቕ ይኹን።