ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/02 ገጽ 9
  • ንመንፈሳዊ ድሌትኩም ኣዕግቡ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንመንፈሳዊ ድሌትኩም ኣዕግቡ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ስማዕ ፍልጠትውን ወስኽ’
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ስማዕን ተምሃርን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ናይ ኣውራጃዊ ኣኼባ መዘኻኸሪታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ንየሆዋ ንምውዳስ ዝግበር ኣኼባ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
km 9/02 ገጽ 9

ንመንፈሳዊ ድሌትኩም ኣዕግቡ

1 እናቐረበ ዝመጽእ ዘሎ “ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባና ንመንፈሳዊ ድሌትና ንኸነዕግብ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ክኸፍተልና ኢዩ። ልክዕ ከምቲ መኣዛ ዘለዎ ስጋዊ መግቢ ዝዕንግለና: ኣብዚ ኣኼባ እዚ ድማ ብመንፈሳዊ መገዲ ‘ብቓል እምነት’ ክንዕንገል ኢና። (1 ጢሞ. 4:⁠6) ናብ የሆዋ ዝያዳ ኽንቀርብ ድማ ከኽእለና ኢዩ። ኣብ ህይወትና ፈተናታት ከጋጥመና ኸሎ ንኽንዋጽኣሉ ዘኽእለና ምኽርን መተባብዕን እውን ክወሃበና ኢዩ። የሆዋ ባዕሉ “ኣነ ኽምህረካ: ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ: ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኢዩ። (መዝ. 32:8) ኣብ ህይወትና ፍቕራዊ መሪሕነቱ ኽንረክብሲ ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ በረኸት ኰን ኢዩ! ካብቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ኣጸቢቕና ምእንቲ ኽንጥቀም ገለ ኽንወስዶ ዝግብኣና ግብራዊ ስጕምትታት እስከ ንርአ።

2 ንልብና ኸነዳልዎ ይግባእ:- ነፍሲ ወከፍና ንምሳልያዊ ልብና ንኽንሕልዎ ሓላፍነት ኣሎና። (ምሳ. 4:⁠23) እዚ ንርእስና ኽንግስጽን ውሽጣዊ ስምዒታትና ብቕንዕና ኽንምርምርን ዝሓትት ኢዩ። ኣውራጃዊ ኣኼባ ምስ የሆዋ ብዛዕባ ዘሎና ርክብ እነስተንትነሉ: ‘ነቲ ምሉእ ሕጊ ድማ ኣጸቢቕና እንጥምተሉ’ እዋን ኢዩ። ‘ንምትካል እቲ ቓል’ ልብና ምእንቲ ኸነዳልዎ: የሆዋ ንኽምርምረናን “ዓመጻ” እንተ ኣልዩና ንኽሕብረናን ኣብቲ “ናይ ዘለኣለም መገዲ” ንኽመርሓናን ክንልምኖ ኣሎና።​—⁠ያእ. 1:⁠21, 25፣ መዝ. 139:⁠23, 24

3 ንስማዕን ነስተንትንን:- የሱስ ንማርያም ብኣቓልቦ ትከታተሎ ስለ ዝነበረት “ማርያምሲ ኻብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሐርያ አላ” ኢሉ ነኣዳ። (ሉቃ. 10:39, 42) ንሕናውን ተመሳሳሊ ዝንባለ እንተደኣ ኣልዩና: ቀንጠ መንጢ ነገራት ኣቓልቦና ኽሰርቕ ኣይከነፍቅድን ኢና። ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ናይቲ ኣኼባ ኾፍ ኢልና ብንቕሓት ክንከታተል ኢና። ብዘይ​ጠቅም ምኽንያት ምስ ካልኦት ሕሹኽሹኽ ኣይንብልን ወይ ናብዝን ናብትን ኣይክንዛወርን ኢና። ብሞባይል ተሌፎንና ዀነ ብካሜራታትና እውን ንኻልኦት ንኸይንርብሽ ክንጥንቀቕ ኢና።

4 ዝርርብ ክንሰምዕ ከሎና ሓጺር መዘኻኸሪ ምጽሓፍ ነቲ ነጥብታት ንኽንርድኦ ይሕግዘና ኢዩ። ነቲ ዝሰማዕናዮ ምስቲ ኣቐዲምና እንፈልጦ ኸነተሓሕዞ ኣሎና። እዚ ኸኣ ነቲ ትምህርቲ ንኽንርድኦን ኣብ ኣእምሮና ንኸነስፍሮን ይሕግዘና። ነቲ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ምእንቲ ኸነውዕሎ ንመዘኻኸሪና ምልስ ኢልና ኽንርእዮ ይግባእ። ነፍሲ ወከፍና ከምዚ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና:- ‘እዚ ምስ የሆዋ ንዘሎኒ ርክብ ብኸመይ ይትንክፎ፧ ኣብ ህይወተይ እንታይ ለውጢ ኽገብር የድልየኒ፧ ነዚ ትምህርቲ እዚ ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎኒ ርክብ ብኸመይ ኣብ ግብሪ አውዕሎ፧ ኣብ ኣገልግሎትከ ብኸመይ እጥቀመሉ፧’ ነቲ ብፍላይ እነማስወሉ ነጥብታት ምስ ካልኦት ንመያየጠሉ። ከምዚ ምግባርና ንቓል የሆዋ ‘ኣብ ውሽጢ ልብና’ ንኽንዓቝሮ ይሕግዘና ኢዩ።​—⁠ምሳ. 4:⁠20, 21

5 ነቲ እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ:- ሓደ ወልቀ⁠-​ሰብ ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ድሕሪ ምክፋሉ ኸምዚ በለ:- “እቲ ኣኼባ ብብሕቲ ዝትንክፍ: ልብኻን ልቢ ስድራ​ቤትካን ንኽትምርምር ዝድርኽ: ከምኡውን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመርኰሰ ፍቕራዊ ሓገዝ ዝህብ ኢዩ ነይሩ። ንጉባኤና ዝያዳ ሓገዝ ክህብ ግዴታ ኸም ዘሎኒ ንኽግንዘብ ድማ ኣኽኢሉኒ።” መብዛሕትና ተመሳሳሊ ስምዒት ተሰሚዑና ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ተተባቢዕናን ባህ ኢሉናን ምኻድ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። የሱስ “ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም: እንተ ገበርኩምዎስ ብጹኣን ኢኹም” በለ። (ዮሃ. 13:17 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ነቲ እተመሃርናዮ ተጊህና ኣብ ብሕታዊ ህይወትና ኸነውዕሎ ኣሎና። (ፊል. 4:⁠9) እዚ ንመንፈሳዊ ድሌትና ምሉእ ብምሉእ ንምዕጋብ ኣገዳሲ ረቛሒ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን]

ነቲ ዝሰማዕካዮ ኣስተንትነሉ:-

■ ምስ የሆዋ ንዘሎኒ ርክብ ብኸመይ ይትንክፎ፧

■ ምስ ካልኦት ንዘሎኒ ርክብ ብኸመይ ይጸልዎ፧

■ ኣብ ናብራ ህይወተይን ኣብ ኣገልግሎትን ብኸመይ ኣብ ግብሪ አውዕሎ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ