ሳጹን ሕቶ
◼ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ኣብ ኣገልግሎትን ኣብ እንዀነሉ እዋን፡ ሞባይል ተሌፎን ክንጥቀም ከለና፡ ነየናይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኢና ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ዘሎና፧
‘ንዅሉ ነገር ከኣ ገጊዜኡ አለዎ።’ (መክ. 3:1)፦ ሞባይል ተሌፎን፡ ሰባት ዳርጋ ኣብ ዝደለይዎ ግዜ ንሓድሕዶም መልእኽቲ ኺለኣኣኹ ወይ ኪዘራረቡ የኽእሎም። ይኹን እምበር፡ ክርስትያናት ብተሌፎኖም ኪርበሹ ዘይግብኣሉ እዋናት ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣኼባታትና ንየሆዋ እነምልኸሉ፡ መንፈሳዊ ትምህርቲ እንረኽበሉ፡ ንሓድሕድና እንተባብዓሉ ግዜ እዩ። (ዘዳ. 31:12፣ መዝ. 22:22፣ ሮሜ 1:11, 12) ኣኼባ ኣብ ዚግበረሉ ግዜ፡ ተሌፎንና እንተ ኣጥፋእና፡ መልእኽቲ እንተ ኣልዩና ድማ፡ እቲ ኣኼባ ምስ ተዛዘመ እንተ ኣንበብናዮዶ ኣይምሓሸን፧ ተሌፎንና ንኸይነጥፍእ ዜገድድ ህጹጽ ጕዳይ እንተ ደኣ ኣጋጢሙና፡ ንኻልኦት ብዘይርብሽ መገዲ ኽንጥቀመሉ ኣሎና።
‘ንዅሉ ምእንቲ እቲ ብስራት ኢልካ ምግባር።’ (1 ቈረ. 9:23)፦ ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ሞባይል ተሌፎን ክንጥቀም ዜገድድ ኵነታት ኣሎ። ንኣብነት፡ ሓላፍነት ዘለዎ ሓደ ሓዉ፡ ኵነታት እቶም ኣብ ካልእ ክፋል እቲ ኽሊ ዜገልግሉ ዘለዉ ኣሕዋት ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ኪድውል የድልዮ ይኸውን። ኣስፋሕቲ ንሓደ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ወይ ከኣ ንሓደ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሑሉ ሰብ፡ ብፍላይ ኣብ ርሕቕ ዝበለ ኸባቢ ዚነብር እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ተመላሊስካ ምብጻሕ ቅድሚ ምግባሮም፡ ሓድሓደ ግዜ ብሞባይል ተሌፎኖም ኪድውሉሉ የድልዮም ይኸውን። ሞባይል ንሕዝ እንተ ደኣ ዄንና፡ ምስ ሓደ ብዓል ቤት ኣብ እንዘራረበሉ እዋን ምእንቲ ኸይርብሸና ኣድላዪ ጥንቃቐ ኽንገብር ኣሎና። (2 ቈረ. 6:3) ንኻልኦት ኣስፋሕቲ ኣብ እንጽበየሉ እዋን፡ ናብ ሓደ ፈታዊና ኣብ ክንዲ ምድዋል ወይ መልእኽቲ ኣብ ክንዲ ምልኣኽ፡ ኣቓልቦና ኣብ ኣገልግሎትን ኣብቶም ምሳና ዚዓይዩን እንተ ገበርና ዝሓሸዶ ኣይምዀነን፧
ንኻልኦት ሕለየሎም። (1 ቈረ. 10:24፣ ፊል. 2:4)፦ ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ሰዓትና ንኸነኽብር ዚከኣለና ኽንገብር ኣሎና ደኣ እምበር፡ እታ ጕጅለ ኣበይ ከባቢ ተገልግል ከም ዘላ ንምፍላጥ፡ ናብ ሓደ ሰብ ክንድውል ወይ መልእኽቲ ኽንልእኽ ከም እንኽእል ክንሓስብ ኣይግባእን። ደንጒና ንመጽእ እንተ ደኣ ዄንና፡ ብሰንክና እታ ጕጅለ እንደገና ኽትውደብ ኬድልያ እዩ። ሓቂ እዩ፡ ሳሕቲ ኻብ ዓቕምና ንላዕሊ ብዝዀነ ጕዳይ ክንድንጒ ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር፡ ኣብ ሰዓትና ናይ ምብጻሕ ልማድ እንተ ደኣ ኣልዩና፡ ንመሰናድዎ የሆዋ፡ ነቲ ኣገልግሎት ወፍሪ ዚመርሕ ሓው፡ ከምኡውን ንክርስትያናት ብጾትና ኸም እንሓልየሎም ነርኢ።