ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/02 ገጽ 1
  • ስሙራት ኩኑ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስሙራት ኩኑ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክርስትያናዊ ሓድነት ንኣምላኽ የኽብር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ናይ ሓቂ ክርስትያናዊ ሓድነት ብኸመይ እዩ ዝርከብ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • “ሓደ የሆዋ” ንስድራ ቤቱ ይእክቦም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ‘ንሓድነት መንፈስ ሓልውዎ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
km 7/02 ገጽ 1

ስሙራት ኩኑ

1 በቲ ዘደንቕ ኣሰራርሓ ኣካላት ወድሰብ ተገሪምካዶ ትፈልጥ፧ (መዝ. 139:⁠14) ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ኣካላት ንሓድሕዱ ተተሓሒዙ ኢዩ ዝዓዪ። ቃል ኣምላኽ ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ሓደ ብግቡእ እተወሃሃደ ኣካላት ኢዩ ዘመሳስላ። ኵሎም ኣባላት ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብ ትሕቲ እቲ ርእሶም ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኰይኖም ‘ብደገፍ እቲ መመላገቢኡ ተተሓሒዞምን ተኣሳሲሮምን ኢዮም።’ (ኤፌ. 4:⁠16) ስለዚ የሆዋ: ነቶም ብሓድነት ዝሓበሩ ህዝቡ ዘደንቕ ነገራት ንኽፍጽሙ ኽጥቀመሎም ክኢሉ ኢዩ።

2 እቶም ኣባላት ናይታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ: ብመንፈሳዊ ይኹን ብስጋዊ ነገራት ንሓድሕዶም ንምትሕልላይ “ብሕብረት” ዓየዩ። (ግብ. 2:⁠44-47) ብሓገዝ የሆዋ ሓቢሮም ብርቱዕ ምጽራር ኣሕሊፎም ኢዮም። (ግብ. 4:⁠24-31) ኣብ ዘዝኸድዎ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብምእዋጅ ነታ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረት ዓለም በቲ ብስራት መሊኦምዋ ነበሩ። (ቈሎ. 1:⁠23) ኣብዚ ዘመናዊ ግዜና እውን እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ነዚ ነገራት እዚ ብዝዓበየ ደረጃ ሓቢራ ትፍጽሞ ኣላ። ነዚ ሓድነት እዚ ኸምጽእ ዝኸኣለ ረቛሒታት እንታይ ኢዩ፧

3 በቲ መለኮታዊ ትምህርትታት ዝሓበሩ:- ኣብ ምልእቲ ምድሪ ብኣምልኾና ዝሓበርና ኢና። እዚ ኸመይ ጌርካ ኢዩ ተኻኢሉ፧ እቲ የሆዋ ዝጥቀመሉ ዝርአ መትረብ: መንፈሳዊ ‘መግቢ በብግዚኡ’ ይህበና ብምዃኑ ነማስወሉ ኢና። (ማቴ. 24:​45) ነቶም ኣብታ ጉባኤ ኸም መምህራን ገይሩ ዝሃበና “ውህበት ሰብኡት” (NW ) እውን ነማስወሎም ኢና። ነቲ የሆዋ ብመንፈስ ክምግበና ኢሉ ዝገበሮ ምድላዋት ብትሕትና ኽንቅበሎ ኸሎና ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ ዘሎና ምርዳእ እናዓበየ ይኸይድ: ከም ደቀ⁠-​መዛሙርቲ የሱስ መጠን ከኣ ንኽንመስሎ ባህጊ የሕድረልና። ‘ናብ ሕብረት እምነት ንኽንበጽሕ’ ተጊህና እናጸዓርና ቃል ኣምላኽ ከነጽንዕ ይግብኣና ኢዩ። (ኤፌ. 4:⁠8, 11-13) መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ ንመንፈሳዊ ሓድነትና ተደልድሎዶ ኣሎኻ፧

4 ብክርስትያናዊ ሓድነት ዝሓበሩ:- ፍቕሪ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንሓድሕድና ተቀራርበና ኢያ። ኣብዚ ኣኼባታት እዚ “ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል” ኢና። (እብ. 10:⁠24, 25) እዚ ድማ ንኣሕዋትና ብደጊኦም ጥራይ ዘይኰነስ ኣጸቢቕና ክንፈልጦም ከም ዘሎና ማለት ከምቲ የሆዋ ዝርእዮም ክቡራት ጌርና ክንርእዮም ከም ዘሎና ዝሕብር ኢዩ። (ሃጌ 2:⁠7) ንእምነቶም ዝገልጽ ሓሳባት ክህቡ ኸለዉ ጽን ኢልና ምስ እንሰምዖም: እቲ ኣባታቶም ዘሎና ፍቕሪ ይዓሙቝ: ሓድነትና ኸኣ ይድልድል። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ስርዓታዊ ዄንካ ብምእካብካ ዲኻ እትፍለጥ፧

5 ኣብ ኣገልግሎት መተዓይይቲ:- ምስ ኣሕዋትና ሓቢርና ብስራት ምስ እንሰብኽ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር የሕብረና ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ‘ንመንግስቲ ኣምላኽ ምስኡ ዀይኖም ዘገልግሉ’ ዝነበሩ መገላግልቱ ይፈትዎም ኢዩ ነይሩ። (ቈሎ. 4:​11) ኣብ ኣገልግሎት ተመክሮ ምስ እንነጋገርን ንሓድሕድና ምስ እንተሓጋገዝን ነቲ እተዋህበና ክርስትያናዊ ትእዛዝ ንኽንፍጽም ይሕግዘና: ንሓድነትና እውን የደልድሎ።​—⁠ቈሎ. 3:⁠14

6 ዘሕብረና መንፈስ ቅዱስ:- ተጊህና ፍቓዱ ንኽንገብር ምስ እንጽዕር የሆዋ ብመንፈሱ ገይሩ ይባርኸና ኢዩ። እዚ ድማ ብስኒት ሓቢርና ኽንነብር ይሕግዘና። (መዝ. 133:⁠1) ‘ነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ጌርና ክንሕልዎ’ ይድርኸና። (ኤፌ. 4:⁠3) ነፍሲ ወከፍና ኣብ ንሓድሕድና ብእንገብሮ ርክብ ፍረ መንፈሱ ብምንጽብራቕ ነቲ ኣብ ማእከል ህዝቢ ኣምላኽ ዘሎ ስኒት ከነደልድሎ ንኽእል ኢና።​—⁠ገላ. 5:⁠22, 23

7 ኣብ ትሕቲ ርእስነት ክርስቶስ ኴንና ሓቢርና ምግልጋልና ‘ነቲ ስጋ ብፍቕሪ እናተሃንጸ ኸም ዝዓቢ’ ኢዩ ዝገብሮ። (ኤፌ. 4:⁠16) ኣብ ርእሲ እዚውን ነቲ “ኣምላኽ ሰላም” ዝዀነ የሆዋ የኽብሮ።​—⁠ሮሜ 16:⁠20

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ