“ሓደ የሆዋ” ንስድራ ቤቱ ይእክቦም
“ንሓድነት መንፈስ . . . ክትሕልውዎ ተጋደሉ።” —ኤፌ. 4:3፡ NW።
ብኸመይ ምገለጽካዮ፧
ዕላማ ምምሕዳር ኣምላኽ እንታይ እዩ፧
‘ንሓድነት መንፈስ ክንሕልዎ’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
‘ንሓድሕድና ተላዋህቲ ንኽንከውን’ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧
1, 2. የሆዋ ንምድርን ንደቂ ሰብን ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧
ስድራ ቤት። እዛ ቓል እዚኣ ኣብ ኣእምሮኻ እንታይ እያ እትስእለልካ፧ ምዉቕ ምቅርራብ፧ ሓጐስ፧ ንሓደ ሓባራዊ ሸቶ ሓቢርካ ምዕያይ፧ እትዓብየሉ፡ እትመሃረሉ፡ ሓሳባት እተለዋወጠሉ ምሹእ ቦታ፧ ሓላዪት ስድራ ቤት እንተ ኣልያትካ፡ ከምኡ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። መስራቲ ስድራ ቤት፡ የሆዋ እዩ። (ኤፌ. 3:14, 15) ኣብ ሰማይ ይኹን ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዅሎም ፍጡራቱ፡ ድሕንነትን ምትእምማንን ናይ ሓቂ ሓድነትን ኣለዎም።
2 ኣዳምን ሄዋንን ምስ ሓጥኡ፡ ደቂ ሰብ ካብ ስድራ ቤት ኣምላኽ ወጹ። ይኹን እምበር፡ ዕላማ ኣምላኽ ኣይፈሸለን። ኣምላኽ ንምድራዊት ገነት ብዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ከም እትመልእ ኪገብር እዩ። (ዘፍ. 1:28፣ ኢሳ. 45:18) ነዚ ዕላማ እዚ ንምፍጻም ኢሉ ዜድሊ ዘበለ መሰናድዎ ገይሩ እዩ። መብዛሕትኡ ኻብዚ መሰናድዎታት እዚ፡ ኣብታ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት ኣብ ሓድነት እተተኵር መጽሓፍ ኤፌሶን ተገሊጹልና ኣሎ። እምበኣር፡ ካብታ መጽሓፍ እቲኣ ገለ ጥቕስታት ብምምርማር፡ ምስቲ የሆዋ ንፍጡራቱ ብሓደ ንኼሕብሮም ዘለዎ ዕላማ ብኸመይ ክንተሓባበር ከም እንኽእል ንርአ።
ምምሕዳርን ዕዮ እቲ ምምሕዳርን
3. ኣብ ኤፌሶን 1:10 ብዛዕባ ምምሕዳር ኣምላኽ እንታይ እዩ ተገሊጹ ዘሎ፧ ካብ መዓስ ኣትሒዙኸ እዩ ኺዓዪ ጀሚሩ፧
3 የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ “የሆዋ ኣምላኽና ሓደ የሆዋ እዩ” በሎም። (ዘዳ. 6:4፡ NW) የሆዋ ምስ ዕላማኡ ተሰማሚዑ እዩ ዚዓዪ። ስለዚ ድማ፡ “እቲ ምዱብ እዋናት ምስ ኣኸለ፡” ንዅሎም መስተውዓልቲ ፍጡራቱ ብሓደ ምእንቲ ኼሕብሮም ዚሕግዝ “ምምሕዳር” ከም ዚህሉ ገበረ። (ኤፌሶን 1:8-10፡ NW ኣንብብ።a) እዚ ምምሕዳር እዚ ኽልተ ኽፍሊ እዩ ዘለዎ። ቀዳማይ፡ ኣምላኽ ነቶም ንቕቡኣት ክርስትያናት ምስቲ መንፈሳዊ ርእሶም ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ምእንቲ ኺሓብሩ ዚገብሮ ዘሎ ምድላው እዩ። እዚ ኸኣ፡ ብ33 ድ.ክ. የሆዋ ነቶም ምስ ክርስቶስ ሓቢሮም ኣብ ሰማይ ዚነግሱ ሰባት ኪእክቦም ከሎ እዩ ጀሚሩ። (ግብ. 2:1-4) እቶም ቅቡኣት ብመሰረት እቲ ኣብ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ዘለዎም እምነት፡ ጻድቃን ስለ እተቘጽሩ፡ “ውሉድ ኣምላኽ” ምዃኖም ይፈልጡ እዮም።—ሮሜ 3:23, 24፣ 5:1፣ 8:15-17።
4, 5. ካልኣይ ክፋል ምምሕዳር ኣምላኽ እንታይ እዩ፧
4 ካልኣይ፡ ኣምላኽ ነቶም ብመሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዚመሓደሩ ኣብ ምድራዊት ገነት ንዘለኣለም ዚነብሩ ሰባት ንምእካብ ዚገብሮ ዘሎ ምድላው እዩ። መጀመርታ ኣብ ገነት ዚነብሩ፡ እቶም “ብዙሓት ሰብ” እዮም። (ራእ. 7:9, 13-17፣ 21:1-5) ኣብቲ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ከኣ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ተንሲኦም ምስኣቶም ኪሓብሩ እዮም። (ራእ. 20:12, 13) ሕስብ እሞ ኣብሎ! ትንሳኤ እውን ሓድነትና እነርእየሉ ተወሳኺ ኣጋጣሚ እዩ ዚኸፍተልና። ኣብ መወዳእታ እተን ሽሕ ዓመት፡ እቲ “ኣብ ምድሪ ዘሎ” ናይ መወዳእታ ፈተና ኼጋጥሞ እዩ። እቶም እሙናት ዘበሉ ድማ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ “ደቂ ኣምላኽ” ኪዀኑ እዮም።—ሮሜ 8:21፣ ራእ. 20:7, 8።
5 ኣብዚ ግዜ እዚ፡ የሆዋ ነቶም ቅቡኣት ኣብ ሰማይ ንኺነብሩ፡ ነቶም ካልኦት ኣባጊዕ ድማ ኣብ ምድሪ ንኺነብሩ የዳልዎም ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ምስ ምምሕዳር ኣምላኽ ክንተሓባበር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
‘ንሓድነት መንፈስ ሓልውዎ’
6. ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ክርስትያናት ብሓባር ኪእከቡ ኸም ዘለዎም ዚሕብር ብኸመይ እዩ፧
6 ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ክርስትያናት ብሓባር ኪእከቡ ኸም ዘለዎም ይሕብር እዩ። (1 ቈረ. 14:23፣ እብ. 10:24, 25) እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ካብቲ ኣብ ዕዳጋ ወይ ኣብ እንዳ ስፖርት ዚኸዱ ሰባት ዚገብርዎ ምትእኽኻብ እተፈልየ እዩ። ናይ ሓቂ ሓድነት ሓቢርካ ግዜ ኻብ ምሕላፍ ንላዕሊ ዚሓትት እዩ። ነዚ ሓድነት እዚ ኽንበጽሖ እንኽእል ንስርዓታት የሆዋ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ብመንፈስ ቅዱስ ንኽንቅረጽ ፍቓደኛታት ብምዃንን እዩ።
7. ‘ንሓድነት መንፈስ ምሓላው’ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
7 ሽሕኳ የሆዋ ብመሰረት መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ንቕቡኣት ከም ውሉዱ፡ ነቶም ካልኦት ኣባጊዕ ከኣ ከም ኣዕሩኹ ብምርኣይ ጻድቃን ገይሩ እንተ ቘጸሮም፡ ኣብዚ ስርዓት እዚ ኣብ ምድሪ ብህይወት ክሳዕ ዘሎና ኣብ ንሓድሕድና ዘይምስምማዕ ከም ዜጋጥመና ፍሉጥ እዩ። (ሮሜ 5:9፣ ያእ. 2:23) እዚ እንተ ዘይከውን ነይሩ፡ ‘ንሓድሕድና እናተጻወርና’ ንኽንነብር ምኽሪ ኣይምተዋህበናን። ምስ ክርስትያን ብጾትና ሓድነት ኪህልወና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ “ብትሕትና ዘበለን ብለውሃትን” ክንመላለስ ክንጽዕር ኣሎና። ብዘይካዚ፡ ጳውሎስ፡ “ነቲ ሕብረት [“ንሓድነት፡” NW] መንፈስ ብማእሰር ሰላም ጌርኩም ክትሕልውዎ፡ ተጋደሉ” ብምባል መኺሩና ኣሎ። (ኤፌሶን 4:1-3 ኣንብብ።) ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ እንተ ደሊና፡ መንፈስ ቅዱስ ንኺጸልወናን ኣባና ፍሪኡ ንኼፍርን ክንፈቅድ ኣሎና። እዚ ፍረ እዚ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባት ዜጋጥም ዘይምቅዳው ከም ዚድቅስ ኪገብር ይኽእል እዩ። ግብሪ ስጋ ግና ብኣንጻሩ፡ ምፍልላይ እዩ ዚፈጥር።
8. ግብሪ ስጋ ምፍልላይ ዜምጽእ ብኸመይ እዩ፧
8 “ግብሪ ስጋ” ብኸመይ ምፍልላይ ከም ዜስዕብ ንርአ። (ገላትያ 5:19-21 ኣንብብ።) ምንዝር ንሓደ ሰብ ካብ የሆዋን ካብ ጉባኤን ይፈልዮ፡ ዝሙት ድማ ንቘልዑ ኻብ ወለዲ፡ ነቶም ንጹሃት መጻምድቲ ኸኣ ካብ መጻምድቶም ይፈላልዮም። ርኽሰት ዚፍጽም ሰብ ነቲ ምስ ኣምላኽን ምስቶም ዜፍቅርዎ ሰባትን ዘለዎ ሓድነት የበላሽዎ። ሓደ ሰብ ንኽልተ ነገራት ብኮላ ኼጣብቕ ምስ ዚደሊ፡ ክልቲኡ ነገራት ንጹህ ኪኸውን ከም ዘለዎ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ፡ ብዕብዳን ወይ ብንውርምና ዚመላለስ ሰብ ነቲ ጽድቃዊ ሕግታት የሆዋ ፈጺሙ ኸም ዝነዓቖ እዩ ዜመልክት። እቲ ኻልእ ክፍሊ ግብሪ ስጋ እውን ንሰባት ካብ ንሓድሕዶምን ካብ ኣምላኽን ይፈላልዮም እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ምስ ባህርያት የሆዋ ፈጺሙ ኣይከይድን እዩ።
9. ‘ነቲ ሓድነት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ጌርና ንኽንሕልዎ’ ንጋደል እንተ ኣሊና ምእንቲ ኽንፈልጥ፡ ንገዛእ ርእስና እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓታ ዘሎና፧
9 ስለዚ እምበኣር፡ ነፍሲ ወከፍና ንገዛእ ርእስና ኸምዚ ኢልና ኽንሓታ ይግባእ፦ ‘ነቲ ሓድነት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ገይረ ንኽሕልዎ ኽሳዕ ክንደይ እየ ዝጋደል ዘለኹ፧ ጸገማት ኬጋጥም ከሎ እንታይ ምላሽ እየ ዝህብ፧ ካብ እተፈላለዩ ፈተውተይ ድጋፍ ንኽረክብ ኢለ፡ ንመረረተይ ኣብ ኵሉ እዝርግሖ ድየ፧ ሰላማዊ ርክብ ክፈጥር ኣብ ክንዲ ዝጽዕር፡ ሽማግለታት ጣልቃ ኣትዮም ንኺውግኑ እጽበዮም ድየ፧ ንሓደ ሰብ ምስ ዝብድሎ፡ ነቲ ጕዳይ ምእንቲ ኸይንዘራረበሉ ኻብቲ ሰብ እርሕቕ ድየ፧’ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ንገብር እንተ ዄንና፡ ምስቲ የሆዋ ንዅሉ ኣብ ክርስቶስ ኪጥቕልሎ ገይርዎ ዘሎ ዕላማ ተሰማሚዕና ንነብር ከም ዘሎና ዜርኢ ድዩ፧
10, 11. (ሀ) ምስ ኣሕዋትና ሰላም ክንፈጥር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ምስ እንገብር ኢና፡ ሰላምን መንፈሳዊ ብልጽግናን ከነምጽእ እንኽእል፧
10 የሱስ፡ “እምብኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ፡ ሓውካ ሐዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ ኣብኡ እንተ ሐሰብካ፡ ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ፡ ኪድ፡ ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ፡ ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ። ምስ መባእስትኻ ድማ ገና ኣብ መገዲ ኸሎኻ፡ ቀልጢፍካ ምስኡ ተዐረቕ” በለ። (ማቴ. 5:23-25) ያእቆብ ከኣ፡ “ነቶም ሰላም ዚገብሩውን እቲ ፍረ ጽድቂ ብሰላም ይዝርኦም እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእ. 3:17, 18) ስለዚ እምበኣር፡ ሰላም እንተ ዘየልዩ፡ ብጽድቂ ኽንመላለስ ኣይንኽእልን ኢና።
11 ንመረዳእታ፡ ኣብተን ብውግእ ዝዓነዋ ሃገራት፡ ብምኽንያት እቲ እተቐብረ ነታጒታት፡ ካብ መሬተን ልዕሊ 35 ሚእታዊት ኪሕረስ ኣይክእልን እዩ። ሓደ ነታጒ እንተ ተፈንጂሩ፡ መሬት ኣይሕረስን፡ ደቂ እቲ ዓዲ ኣብ ድኽነት ይወድቁ፡ ከተማታት ከኣ ምግቢ ይስእና። ብተመሳሳሊ፡ ነቲ ምስ ኣሕዋትና ዘሎና ሰላም ዚዘርግ ባህርያት እንተ ኣልዩና፡ መንፈሳዊ ዕቤት ንኸይንገብር ዕንቅፋት ይዀነና እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንሰባት ቀልጢፍና ይቕረ ንብለሎምን ሰናይ ነገራት ንገብረሎምን እንተ ዄንና፡ ኣብ ንሓድሕድና ሰላም ይህልወና፡ በረኸት የሆዋ ኸኣ ንረክብ።
12. ሽማግለታት ሓድነት ንኺህልወና ኺሕግዙና ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
12 ‘ውህበት ሰብ’ እውን ሓድነት ንኺሰፍን ዓብዪ እጃም ኬበርክቱ ይኽእሉ እዮም። “ናብ ሕብረት እምነት” ንኽንበጽሕ ምእንቲ ኺሕግዙና ድማ እዮም ተዋሂቦምና። (ኤፌ. 4:8, 13) እዞም ውህበት ሰብ ዝዀኑ ሽማግለታት፡ ኣብቲ ቕዱስ ኣገልግሎት ምሳና ብምዕያይ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመርኲሶም ዜድሊ ምኽሪ ምስ ዚህቡና፡ ሓድሽ ሰብነት ንኽንለብስ እዮም ዚሕግዙና። (ኤፌ. 4:22-24) ንሳቶም ምኽሪ ኺህቡኻ ኸለዉ፡ የሆዋ ኣብታ ብወዱ እትመሓደር ሓዳስ ዓለም ንኽትነብር የዳልወካ ኸም ዘሎ ጌርካ ዲኻ እትርእዮ፧ ሽማግለታትከ ነዚ ኣብ እኣምሮኹም ብምሓዝ ንኻልኦት ሰባት ከተቕንዕዎም ትጽዕሩ ዲኹም፧—ገላ. 6:1።
‘ንሓድሕድኩም ተላዋህቲ ኹኑ’
13. ነቲ ኣብ ኤፌሶን 4:25-32 ዚርከብ ምኽሪ እንተ ዘይንስዕቦ ኔርና፡ እንታይ ውጽኢት ምሃለዎ፧
13 ኤፌሶን 4:25-29፡ ከም ሓሶት፡ ቍጥዓ፡ ትህኪት፡ ዘይጠቅም ዘረባ ዝኣመሰለ ባህርያት ከነወግድ ከም ዘሎና ኣነጺራ ትገልጽ። ሰናይን ዚሃንጽን ዘረባ ኽንዛረብ ከም ዘሎና እውን ትመኽረና እያ። ሓደ ሰብ ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ እንተ ዘየውዒልዎ፡ ነቲ ሓድነት ከም ዚሰፍን ዚገብር ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ የጕህዮ እዩ። (ኤፌ. 4:30) ነቲ ጳውሎስ ቀጺሉ ዝሃቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ ግና ሰላምን ሓድነትን ከም ዚሰፍን ክንገብር ንኽእል ኢና። ጳውሎስ፡ “ብዘሎ መሪርን ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ኽፍኣት ዘበለ ኻባኻትኩም ይርሐቕ። ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ” በለ።—ኤፌ. 4:31, 32።
14. (ሀ) እተን ‘ተላዋህቲ ኹኑ’ ዚብላ ቓላት እንታይ እየን ዚሕብራ፧ (ለ) ለዋሃት ንኽንከውን እንታይ እዩ ኺሕግዘና ዚኽእል፧
14 እተን ‘ተላዋህቲ ኹኑ’ ዚብላ ቓላት፡ እንተ ወሓደ ብእተወሰነ ደረጃ ለዋሃት ዘይንዀነሉ ግዜያት ከም ዘሎ እሞ፡ ከነመሓይሽ ከም ዘሎና እየን ዚሕብራ። ንስምዒት ካልኦት ሰባት ካብ ስምዒትና ብዝያዳ ኣኽቢርና ንኽንርእዮ ኽንለማመድ የድሊ። (ፊል. 2:4) ምናልባት ብዛዕባ ሓደ ኼስሕቕ ወይ ከኣ ፈላጣት ኬምስለና ዚኽእል ነገር ክንዛረብ ንሓስብ ንኸውን። ግናኸ፡ እቲ ነገር እቲ ለውሃት ዘይንጸባረቖ እንተ ዀይኑ፡ እንተ ዘይተዛረብና ይሓይሽ። ነዚ ጕዳይ እዚ ኣቐዲምና እንተ ሓሲብናሉ፡ ‘ለዋሃት ክንከውን’ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።
ኣብ ስድራ ቤት ፍቕርን ኣኽብሮትን ኣርኢ
15. ብመሰረት ኤፌሶን 5:28፡ ሰብኡት ንክርስቶስ ብኸመይ እዮም ኪመስልዎ ዚኽእሉ፧
15 መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ክርስቶስ ምስ ጉባኤ ዘለዎ ርክብ፡ ምስቲ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ ዘለዎ ርክብ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። እቲ ክርስቶስ ዝገደፎ ኣብነት፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኺመርሓን ኬፍቅራን ኪሓልየላን ከም ዘለዎ፣ ሰበይቲ ድማ ንሰብኣያ ኽትግዛእ ከም ዘለዋ የዘኻኽር። (ኤፌ. 5:22-33) ጳውሎስ፡ “ሰብኡትውን ከምኡ፡ ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግብኦም እዩ” በለ። “ከምኡ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለት እዩ ነይሩ፧ (ኤፌ. 5:28) ኣቐዲሙ፡ ኣብ ቍጽሪ 27፡ “ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ . . . ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ” ብምባል ጽሒፉ ኣሎ። እወ፡ ሰብኣይ ምስቲ የሆዋ ንዅሉ ኣብ ክርስቶስ ንኺጥቕልሎ ዝገበሮ ዕላማ ብምስምማዕ፡ ንስድራ ቤቱ ብመንፈሳዊ መዳይ ንኺምግብ ንቑሕ ኪኸውን ይግባእ።
16. ወለዲ ነቲ ኣብ ቤት ዘለዎም ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነት ምስ ዚፍጽሙ፡ እንታይ ውጽኢት እዩ ዚርከብ፧
16 ወለዲ፡ የሆዋ ንደቆም ንኺኣልዩ ሓላፍነት ከም ዝሃቦም ኪዝክሩ ይግባእ። ሎሚ፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ፡ ሓያሎ ሰባት “ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም” ምዃኖም ዜሕዝን እዩ። (2 ጢሞ. 3:1, 3) ሓያሎ ኣቦታት ሓላፍነቶም ዕሽሽ ብምባሎም፡ ንደቆም ሕማቕ ጽልዋ ኣሕዲሮምሎምን ኣጕህዮምዎምን እዮም። ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ ንክርስትያን ኣቦታት፡ “ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም” ዚብል ምኽሪ ሂብዎም ኣሎ። (ኤፌ. 6:4) ቈልዑ ብዛዕባ ፍቕርን ንስልጣን ብዛዕባ ምኽባርን መጀመርታ ኣብ ስድራ ቤትዶ ኣይኰኑን ዚመሃሩ፧ እቶም ነዚ ትምህርቲ እዚ ንውሉዳቶም ብውጽኢታዊ መገዲ ዜመሓላልፉሎም ወለዲ፡ ምስ ምምሕዳር ኣምላኽ ተሰማሚዖም እዮም ዚዓዩ። ኣብ ቤትና ዅሉ ነድርን ኵራን ጸርፍን ኣወጊድና ፍቕሪ ኸም ዚሰፍን እንተ ጌርና፡ ደቅና፡ ፍቕሪ ብኸመይ ከም ዜርእዩን ንስልጣን ብኸመይ ከም ዜኽብሩን ኪመሃሩ እዮም። እዚ ኸኣ፡ ኣብ ሓዳስ ዓለም ንኺነብሩ የዳልዎም።
17. ንድያብሎስ ምእንቲ ኽንቃወሞ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
17 እቲ ብመጀመርታ ኣብ ኵሉ ፍጥረት ሰላም ከም ዚዝረግ ዝገበረ ድያብሎስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍጻም ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ኸተዓናቕፈና ኣበርቲዑ እዩ ዚጽዕር። ቍጽሪ ፍትሕ እናወሰኸ ምኻዱ፡ ወድን ጓልን ከይተመርዓዉ ብሓደ ይነብሩ ምህላዎም፡ ከምኡውን ግብረ ሰዶማውያን ንኺምርዓዉ ተቐባልነት ምርካቦም፡ ሰይጣን ከም ዝሰለጦ ዚሕብር እዩ። ንሕና ግና ንክርስቶስ ደኣ እምበር፡ ነዚ ኣብ ዓለም ተቐባልነት ረኺቡ ዘሎ ኣኻይዳ ኣይንስዕቦን ኢና። (ኤፌ. 4:17-21) ስለዚ ድማ እዩ፡ ንድያብሎስን ንኣጋንንቱን ምቅዋሞም ምእንቲ ኽንክእል፡ “ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ” ዚብል ምዕዶ እተዋህበና።—ኤፌሶን 6:10-13 ኣንብብ።
“ብፍቕሪ ተመላለሱ”
18. ሕመረት ክርስትያናዊ ሓድነትና እንታይ እያ፧
18 ሕመረት ክርስትያናዊ ሓድነትና ፍቕሪ እያ። ነቲ ‘ሓደ ጐይታና’ የሱስ ክርስቶስን ነቲ ‘ሓደ ኣምላኽና’ የሆዋን ኣዚና ነፍቅሮም፡ ንሓድሕድና እውን ኣዚና ንፋቐር ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ነቲ “ንሓድነት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ክትሕልውዎ ተጋደሉ” (NW) ዚብል ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ቘሪጽና ኣሎና። (ኤፌ. 4:3-6) የሱስ ብዛዕባ እዛ ፍቕሪ እዚኣ፡ “ስለቶም ብቓሎም ብኣይ ዚአምኑ ድማ እምበር፡ ስለ እዚኣቶም ጥራይ ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። . . . ዎ ኣቦይ፡ ከምቲ ንስኻ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ፡ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ፡ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን አሎኹ። እታ ብእኣ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ኣባታቶም ምእንቲ ኽትከውን ኣነውን ኣባታቶም፡ ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ ኸፍልጦምውን እየ” ኢሉ ጸለየ።—ዮሃ. 17:20, 21, 26።
19. እንታይ ንምግባር ኢኻ ቘሪጽካ ዘሎኻ፧
19 ብምኽንያት ዘይፍጽምናና ሕማቕ ባህርያት ዜሸግረና እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝገበሮ፡ “ስምካ ኽፈርህሲ፡ ንልበይ ኣዳልዎ” ኢልና ብፍቕሪ ተደሪኽና ንጸሊ። (መዝ. 86:11) ሃየ እምበኣር፡ ነቲ ኻብቲ ፈቃር ኣቦናን ካብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኪፈልየና ዚጽዕር ድያብሎስ ንቃወሞ። ነቲ፡ “ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ። . . . ብፍቕሪ ተመላለሱ” ዚብል ምኽሪ ድማ፡ ኣብ ስድራ ቤትን ኣብ ኣገልግሎትናን ኣብ ጉባኤን ብትግሃት ንዕየየሉ።—ኤፌ. 5:1, 2።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኤፌሶን 1:8-10: NW፦ “ነዚ ብዅሉ ጥበብን ምስትውዓልን ኣባና ኣዕዘዞ፣ ማለት ቅዱስ ምስጢር ፍቓዱ ኣፍለጠና። ከምቲ ብፍታዉ ንሱ ባዕሉ ዝዓለሞ፡ እቲ ምዱብ እዋናት ምስ ኣኸለ ንምምሕዳር፡ ማለት ኣብ ሰማያት ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ክርስቶስ ዳግም ምእንቲ ኺጥቕልል እዩ።”
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]
መባኡ ኣብ መሰውኢ ገዲፉ፡ ምስ ሓዉ ኺዕረቕ ይኸይድ
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ኣኽብሮት ንኼርእዩ ምሃርዎም