ሕቶ ሳጹን
◼ ብናይ ወጻኢ ቛንቋ ዝዛረቡ ጕጅለ ምቛም ግቡእ ዝኸውን መዓስ እዩ፧
ኣብ ናይ ሓንቲ ጉባኤ ዞባ ብዝሕ ዝበሉ ናይ ወጻኢ ቛንቋ ዝዛረቡ ሰባት ምስ ዝህልዉ: እቶም ሽማግለታት በቲ ቛንቋ እቲ ዕዮ ስብከት ንኽካየድ ዝከኣሎም ክገብሩ ኣለዎም። እቶም ናይ ወጻኢ ቛንቋ ዝዛረቡ ሰባት ኣብ ክልተ ወይ ካብኡ ዝዛይድ ጉባኤታት ፋሕ ኢሎም ዝርከቡ እንተ ዀይኖም ከኣ እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ነተን እቲ ዞባታት ዝምልከተን ጉባኤታት ኣብ ዕዮ ስብከት ንኽተሓባበራ ዘድሊ መምርሒ ይህብ። ኣብ ናይ ወጻኢ ቛንቋ ኣኼባታት ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ: ሓሓሊፍካ ህዝባዊ ዝርርብ ወይ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ክግበር ይከኣል እዩ።
ሓንቲ ናይ ወጻኢ ቛንቋ ጕጅለ ንኽትቀውም እዚ ዝስዕብ ረቛሒታት ክማላእ ኣለዎ:- (1) ነቲ ብስራት ብናይ ወጻኢ ቛንቋ ብዝያዳ ዝርድኦም ኣስፋሕቲ ወይ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ኣለዉ። (2) መሪሕነት ክወስድን እንተ ወሓደ ሓደ ሰሙናዊ ኣኼባ ኽመርሕን ዝኽእል ብቕዓት ዘለዎ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኣሎ። (3) ኣካል ሽማግለታት ነታ ጕጅለ ንምድጋፍ ፍቓደኛታት እዮም። እዚ ረቛሒታት እዚ ምስ ተማልአ: እታ ጕጅለ ብወግዒ ተፈላጥነት ንኽትረክብን ተወሳኺ መምርሒታት ንኽረኽቡን እቶም ሽማግለታት ንጨንፈር ቤት ጽሕፈት ከፍልጡ ኣለዎም።
ዝበዝሓ ጕጅለታት ሰሙናዊ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ብምግባር እየን ዝጅምራ። ድሕሪኡ: እቶም ሽማግለታት ከም ህዝባዊ ዝርርብን ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛን ዝኣመሰለ ኻልእ ኣኼባታት ንኽግበር ከፍቅዱ ይኽእሉ እዮም። ነቲ ቛንቋ ኽዛረብ ዝኽእል ብቕዓት ዘለዎ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ እንተሎ: ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልገሎት ቤት ትምህርቲ ኽፍሊ ቍ. 2, 3, 4 ኣብ ካልእ ኣደራሽ ክቐርብ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ሃናጺ ዝርርብ: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጐልሕ ሓሳባት: ከምኡውን ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ክቐርብ ከሎ እታ ጕጅለ ምስቶም ኣብቲ ቐንዲ ኣደራሽ ዘለዉ ተኣከብቲ ትጽምበር። ነታ ጕጅለ ዝኸውን ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ንምግባር እውን ምድላው ክግበር ይከኣል እዩ።
ኣብታ ጕጅለ ዘለዉ ዅላቶም ኣብ ትሕቲ ኣካል ሽማግለታት ኰይኖም ክዓዩ ይግባእ። እቶም ሽማግለታት ሚዛናዊ መምርሒ ኽህቡን ነታ ጕጅለ ዘድሊ ነገራት ኣብ ምሕላይ ተበግሶ ኽወስዱን ኣለዎም። እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ነታ እትኣሊ ጉባኤ ኽበጽሕ ከሎ: ነታ ጕጅለ ብመንፈስ ምእንቲ ኽሃንጻ ምስቶም ኣባላታ ንምዕያይ ምድላው ይገብር። ድሕሪ ግዜ እታ ናይ ወጻኢ ቛንቋ እትዛረብ ጕጅለ ብበረኸት የሆዋ ርእሳ ዝኸኣለት ጉባኤ ኽትከውን ትኽእል እያ።