ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/03 ገጽ 5
  • ኣብቲ ዝድለ እዋን እተረኽበ ሓገዝ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብቲ ዝድለ እዋን እተረኽበ ሓገዝ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቶም ዘይንጡፋት ኣይትረስዓዮም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • “ናባይ ተመለሱ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ከይተደናጐዩ ኺምለሱ ሓግዞም!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
km 2/03 ገጽ 5

ኣብቲ ዝድለ እዋን እተረኽበ ሓገዝ

1 ሃዋርያ ጴጥሮስ ንኣመንቲ ብጾቱ ምብርታዕ ከም ዘድልዮም ምስ ተገንዘበ: ካብ ሓልዮት ተደሪኹ ብፍቕሪ መዘኻኸርን መተባብዕን ሃቦም። (2 ጴጥ. 1:12, 13፣ 3:1) ነቶም እታ ‘እምነት እተመቕሉ’ ዘበሉ “ንምፍላጥ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሃካያትን ዘየፍርዩን” ምእንቲ ኸይኰኑ መንፈሳዊ ባህርያቶም ከማዕብሉ ተማሕጸኖም። (2 ጴጥ. 1:1, 5-8) እቶም ኣመንቲ ብጾቱ “ብዘይ​ ነውርን ብዘይ​ መንቅብን ብሰላም” ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኽርከቡ ንጽውዓኦምን ምሕራዮምን ኸጽንዕዎ ንኽሕግዞም እዩ ሓሊኑ። (2 ጴጥ. 1:10, 11፣ 3:14) ንብዙሓት ካብቶም ኣመንቲ ብጾቱ እቲ ዝሃቦም ምትብባዕ ኣብቲ ዝድለ እዋን እተረኽበ ሓገዝ እዩ ነይሩ።

2 ኣብዚ ግዜና ክርስትያናት ተዓዘብቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ብተመሳሳሊ ይሓልዩሎም እዮም። ኣብዚ “ክፉእ ዘመን” ብዙሓት ኣገልገልቲ የሆዋ ፈታኒ ዅነታት የጋጥሞም እዩ። (2 ጢሞ. 3:1) ናይ ቍጠባ: ናይ ስድራ​ቤት: ወይ ናይ ብሕቲ ጸገማት ብቐጻሊ ስለ ዘጋጥሞም: ገሊኣቶም ከምቲ “ቍጽሪ ዜብሉ መከራ ኸቢቡኒ: ምርኣይ ክሳዕ ዝስእን: በደለይ ኣርኪቡኒ: ካብ ጸጕሪ ርእሰይ በዚሑ እዩ እሞ: ልበይ ጠሊሙኒ እኔኹ” ኢሉ ዝጸሓፈ ዳዊት ክስምዖም ይኽእል እዩ። (መዝ. 40:12) እዚ ጸቕጥታት እዚ ኣዝዩ ኻብ ምብዝሑ እተላዕለ ገሊኣቶም ኣስፋሕቲ ኣገዳሲ መንፈሳዊ ነገራት ዕሽሽ ኢሎም: ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ብንጥፈት ምክፋል ከኣ ኣቋሪጾም እዮም። እንተዀነ ግን: እዚ ጸገማት እኳ እንተ ሃለወ: ‘ትእዛዛት የሆዋ ግን ኣይረስዑን።’ (መዝ. 119:176) እዚ ዘሎናዮ ግዜ ሽማግለታት ዘድሊ ሓገዝ ዝህቡሉ እዋን እዩ።​—⁠ኢሳ. 32:1, 2

3 ሽማግለታት ነቶም ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ስብከት ዘይሳተፉ ንምድጋፍ ፍሉይ ጻዕሪ ኽገብሩ ምትብባዕ ተዋሂብዎም ኣሎ። ነዚ ንምፍጻም ክሳዕ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ፍሉይ ጻዕሪ ኽግበር እዩ። ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዘብቲ ንዝዛሕተሉ ዘበሉ ኣብ ጉባኤ ኸም ቀደሞም ንጡፋት ምእንቲ ክዀኑ ንምሕጋዝ ካብ ዝብል ዕላማ ኽበጽሕዎምን መንፈሳዊ ሓገዝ ክህብዎምን እዮም። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ: ብብሕቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽምርሓሎም ምድላዋት ክግበር ይከኣል እዩ። ካልኦት ኣስፋሕቲ ንኽሕግዙ ኽሕተቱ ይኽእሉ እዮም። ሓገዝ ክትህብ እንተ ተሓቲትካ: ብፍላይ ድማ ብሕያውነትን ብምርዳእን ምትብባዕ እንተ ሂብካ: ጻዕርታትካ ኣዝዩ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

4 ሓደ ኣስፋሒ ኣብ ጉባኤ ኸም ቀደሙ ንጡፍ እንተደኣ ዀይኑ: ኵላትና ንሕጐስ ኢና። (ሉቃ. 15:6) ንዝዛሕተሉ ኣስፋሕቲ ንምትብባዕ እንገብሮ ጻዕሪ: ብሓቂ “ብግቡእ ጊዜ እተዘርበ ቓል” ክኸውን ይኽእል እዩ።​—⁠ምሳ. 25:11

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ