ቀዳምነት እትህቦ እንታይ እዩ፧
1 ብዙሓት ሃይማኖታት ኣብ ከም ንትምህርቲ ወይ ንሕክምና ዘድሊ ነገራት ምውፋይ ዝኣመሰለ ግብረ-ሰናያዊ ስራሓት እየን ዘተኵራ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን “ሰናይ ምግባርን ምምቓልን” ዘይርስዑ እኳ እንተዀኑ: ንሰባት ብመንፈሳዊ ምሕጋዝ እዮም ቀዳምነት ዝህብዎ።—እብ 13:16
2 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝሓደግዎ ኣብነት:- የሱስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ብዙሕ ሰናይ ይገብር እኳ እንተ ነበረ: ብቐዳምነት ግን ንሓቂ ኽምስክር እዩ መጺኡ። (ሉቃ. 4:43፣ ዮሃ. 18:37፣ ግብ. 10:38) ንሰዓብቱ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኢሉ ኣዘዞም። (ማቴ. 28:19, 20) እቶም ብእኡ ዝኣምኑ ነቲ ዝጀመሮ ዕዮ ብዝሰፍሐ ደረጃ ኸም ዝፍጽምዎ ሓቢሩ ነበረ። (ዮሃ. 14:12) ዕዮ ስብከት ንሰባት መገዲ ድሕነት ንኽመሃሩ ስለ ዘኽእሎም: የሱስ ነዚ ዕዮ እዚ ቐዳምነት ሃቦ።—ዮሃ. 17:3
3 ሃዋርያ ጳውሎስ ንስብከቱ “ብግዲ” ኽፍጽም ከም ዘለዎ ማለት ዕሽሽ ክብሎ ኸም ዘይግባእ ገይሩ እዩ ርእይዎ። (1 ቈረ. 9:16, 17) ኣገልግሎቱ ንምፍጻም ዝኸፍሎ መስዋእቲ: ዘሕልፎ ፈተና: ወይ ዝወርዶ ጸገማት ብዘየገድስ ንዅሉ ንኽስከሞ ፍቓደኛ ነበረ። (ግብ. 20:22-24) ሃዋርያ ጴጥሮስን ብጾቱን እውን ተመሳሳሊ መንፈስ ኣርእዮም እዮም። ማእሰርትን መግረፍትን እኳ ምስ ኣጋጠሞም: “ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኵሩን ነበሩ።”—ግብ. 5:40-42
4 ንሕናኸ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ቐዳምነት ዲና እንህቦ፧ ከም የሱስ ነቶም “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን” ሰባት ብሓቂ ንድንግጸሎም ዲና፧ (ማቴ. 9:36) ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ ዅነታትን ካብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስን ከም እንዕዘቦ: እዚ እኩይ ኣገባብ ናብ ጥፍኣት ገጹ ቐሪቡ እዩ ዘሎ። ንኣገዳስነት ዕዮ ስብከት ኣብ ኣእምሮና ንሕዝ እንተደኣ ዄንና: ብቕንኣት ንኽንሰብኽ ክንድረኽ ኢና።
5 ኵነታትካ መርምር:- ብሕታዊ ዅነታትና ብዙሕ ሳዕ ስለ ዝለዋወጥ: ኣብ ዕዮ ስብከት ዝያዳ ተሳትፎ ምእንቲ ኽህልወና ገለ ምትዕርራያት ክንገብር ንኽእል እንተ ዄንና በብእዋኑ ዅነታትና ምስ እንምርምር ሰናይ እዩ። ሓንቲ ሓብቲ ኣብ 50ታትን 60ታትን 70ታትን ስርዓታዊት ፓይነር ነበረት: እንተዀነ ግን ጥዕና ስለ ዝሰኣነት ከተቋርጽ ተገደደት። ጸኒሑ ግን ጥዕናኣ ተመሓየሸ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዅነታታ እንደገና ብምምርማር ፓይነር ኰይና ኸተገልግል ከም እትኽእል ተረድአት። ኣብ 90 ዕድሚኣ ኣብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ኽትሳተፍሲ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እያ ተሓጒሳ! ንስኻኸ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ጡረታ ኽትወጽእ ወይ ካብ ትምህርቲ ኽትምረቕ ዲኻ፧ እዚ ለውጥታት ፓይነር ንኽትከውን የፍቅደልካዶ ዀን ይኸውን፧
6 የሱስ ንማርታ ‘ብብዙሕ ምግልጋል ክትጽዕር’ ምስ ረኣያ: ብዙሕ ኣገዳስነት ኣብ ዘይብሉ ነገራት እንተ ዘየተኲራ ዝያዳ በረኸት ክትረክብ ከም እትኽእል ሓሳብ ሃባ። (ሉቃ. 10:40-42) ንስኻኸ ኣነባብራኻ ቀሊል ክትገብሮ ትኽእልዶ፧ ናይ ግድንዶ ሰብኣይን ሰበይትን ዓለማዊ ስራሕ ክሰርሑ የድልዮም እዩ፧ ምትዕርራያት ብምግባር እታ ስድራቤት ብሓደ ኣታዊ ጥራይ ክትነብር ትኽእልዶ፧ ብዙሓት ኣስፋሕቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ተሳትፎ ምእንቲ ኽህልዎም ምትዕርራያት ብምግባር ብመንፈስ ብዙሕ ተጠቒሞም እዮም።
7 ኵላትና ነቲ የሱስን ሃዋርያቱን ዝገደፉልና ኣብነት ንስዓብ! ነቲ ኣገዳሲ ዕዮ ዝዀነ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ እንገብሮ ልባዊ ጻዕሪ የሆዋ ኸም ዝባርኾ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ሉቃ. 9:57-62