ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ቀንዲ ዕዮና እዩ
1 ኵላትና እተፈላለየ ዕዮ ኣሎና። ንስድራቤትና ዘድሊ ነገራት ምምላእ ሓደ ኻብቲ ኣምላኽ ዝሓተና ብቕዓት እዩ። (1 ጢሞ. 5:8) ይኹን እምበር: እዚ ኣምላኽ ከነማልኦ ዝሓተና ብቕዓት እዚ ንስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮን ክዕንቅፎ የብሉን።—ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20
2 የሱስ ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድላይ’ ክንስዕቦ ዘሎና ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። (ማቴ. 6:33፣ 1 ጴጥ. 2:21) ብዙሕ ስጋዊ ጥሪት እኳ እንተ ዘይነበሮ: ፍቓድ ኣቦኡ ኣብ ምግባር ግን ምሉእ ብምሉእ ትሑዝ ነበረ። (ሉቃ. 4:43፣ 9:58፣ ዮሃ. 4:34) ኣብ ኵሉ እቲ ዝረኽቦ ዝነበረ ኣጋጣሚታት ምስክርነት ይህብ ነበረ። (ሉቃ. 23:43፣ 1 ጢሞ. 6:13) ንደቀ መዛሙርቱ ኣብቲ እኽሊ ናይ ምእካብ ዕዮ ሓያል ተገዳስነት ክህልዎም ተማሕጸኖም።—ማቴ. 9:37, 38
3 ኣብዚ ግዜና ንየሱስ ምምሳል:- ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ዘተኰረ ቀሊል ናብራ ንኽንነብር ጻዕሪ ብምግባር ኣብነት የሱስ ክንስዕብ ንኽእል ኢና። ንህይወት ዘድሊ መሰረታዊ ነገራት እንተ ሃልዩና: ነቲ ዝያዳ ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ኸነጥሪ ኢልና ኸይንጽዕር ዝምዕድ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ምኽሪ ንስዓቦ። (ማቴ. 6:19, 20፣ 1 ጢሞ. 6:8) ኣብ ዕዮ ስብከት እነበርክቶ እጃም ምስ እነዛይድ ክሳዕ ክንደይ ኰን ዝሓሸ እዩ! ኣጸጋሚ ዅነታት እንተ ኣጋጢሙና: ሓልዮት ናብራ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽ ቀንዲ ዕዮና ንኽዓብጦ ብዘይምፍቃድ: ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ንጋደል።—ሉቃ. 8:14፣ 9:59-62
4 እቶም ብዙሕ ሓላፍነት ዘለዎም እውን ንዕዮ ስብከት ቀዳምነት ይህቡ እዮም። ሓደ ብዙሓት ኣባላት ስድራ ዘለዉዎ: ከቢድ ሓላፍነት ዘጠቓልል ስራሕ ዘለዎ: ከምኡውን ኣብ ክርስትያናዊ ጉባኤ ሽማግለ ዀይኑ ዘገልግል ሓው “ኣገልግሎት ከም ቀንዲ ዕዮይ ገይረ እየ ዝርእዮ” በለ። ሓንቲ ፓይነር ከኣ “ፓይነር ኴንካ ምግልጋል ካብ ዕዉት ዓለማዊ ስራሕ ኣጸቢቑ ዝበልጽ እዩ” በለት።
5 ኵነታትና ብዘየገድስ ኣብነት የሱስ ንስዓብ። ብኸመይ፧ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ቀንዲ ዕዮና ብምግባር ኢና እንስዕቦ።