ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/07 ገጽ 1
  • ኣብ ኣገልግሎትካ ንክርስቶስ ምሰሎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ኣገልግሎትካ ንክርስቶስ ምሰሎ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ቀንዲ ዕዮና እዩ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • “ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ”
    “ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”
  • “ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝመሃሮ ትምህርቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
km 2/07 ገጽ 1

ኣብ ኣገልግሎትካ ንክርስቶስ ምሰሎ

1 የሱስ ኣብ ኣገልግሎትና ኽንስዕቦ ዘሎና ኣብነት ገዲፉልና እዩ። ንኣምላኽን ንሰባትን ዝነበረቶ ዓማቝ ፍቕሪ ኣብ ሓያሎ ኣጋጣሚታት ብብዙሕ መገድታት ተራእያ እያ። ንትሑታት ሓቂ መሃሮም: ነቶም ሽጉራትን ጭቍናትን ድማ ሳህሊ ኣርኣዮም።—ማቴ. 9:35

2 ኣብነት የሱስን ትምህርትታቱን:- የሱስ ነቲ ሕብረተሰብ ኬመሓይሽ ኢሉ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ብምእታው ወይ ኣብ ንጥፈታት ግብረ-ሰናይ ብምትኳር ኣየስገለን። ካብ ሰናይ ህቀና ተበጊስካ ዚግበር ዝዀነ ይኹን ካልእ ንጥፈታት እውን ነቲ ቐንዲ ዕዮኡ ኺዓናቕፎ ወይ ኪዕብልሎ ኣይፈቐደሉን። (ሉቃ. 8:1) ንጸገማት ደቅሰብ ነባሪ ፍታሕ እተምጽእ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ምዃና ኣብ ምስባኽ እዩ ኣተኲሩ። የሱስ ኣብ እተወሰነ ግዜ ኺፍጽሞ ዝነበሮ ኣገዳሲ ዕዮ ነበሮ። እቶም ኣብ ቅፍርናሆም ዝነበሩ ሰባት ምስኦም ኪጸንሕ ምስ ደለዩ: ንደቀ-መዛሙርቱ “ምእንትዚ እየ ወጺኤ ዘለኹ እሞ: ኣብ ካልእ . . . ኽሰብኽ: ንዑናይ ንኺድ” በሎም።—ማር. 1:38

3 የሱስ ንደቀ-መዛሙርቱ ምስ ኣሰልጠኖም: “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ: ኢልኩም ስበኹ” ኢሉ ንጹር መምርሒታት ብምሃብ ለኣኾም። (ማቴ. 10:7) ንሰዓብቱ: ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ቀዳማይ ቦታ ኺሕዝ ከም ዘለዎ ምሃሮም። (ማቴ. 6:33) እተን የሱስ ንሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ ንደቀ-መዛሙርቱ እተዛረቦም ናይ ስንብታ ቓላት: እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ብንጹር ዚሕብራ እየን ነይረን። “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” በሎም።—ማቴ. 28:19

4 ኣገዳስነት መንግስቲ ኣምላኽ:- እታ የሱስ ዚዛረበላ ዝነበረ ቐንዲ ነጥቢ መንግስቲ ኣምላኽ እያ ነይራ፣ ንደቀ-መዛሙርቱ ድማ ኣብነቱ ኺስዕቡ ተማሕጸኖም። ደቅሰብ ሽግራት ሰባት ንምፍታሕ ዚገብርዎ ጻዕርታት ኪዕወት ኣይክእልን እዩ። (ኤር. 10:23) መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ እያ ስም ኣምላኽ እትቕድስን ንሰባት ነባሪ ዕረፍቲ እተምጽእን። (ማቴ. 6:9, 10) ሓቅታት መንግስቲ ኣምላኽ ነቶም “ብዛዕባ እቲ . . . ዚግበር ዘሎ ጽያፍ ዚጕህዩን ዚትክዙን” ሰባት ምምሃር: ሕጂ ሕጉስን ዕዉትን ናብራ ንኺነብሩ: ንመጻኢ ድማ ዜተኣማምን ተስፋ ንኺህልዎም ይሕግዞም።—ህዝ. 9:4

5 የሱስ ኣብቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽ ዕዮ ዓብዪ ተራ እዩ ዘለዎ: ከም ዚድግፈና ኸኣ ኣረጋጊጹልና እዩ። (ማቴ. 28:20) ኣብ ኣገልግሎትና ኽሳዕ ክንደይ ኢና ነቲ የሱስ ዝገደፈልና ኣብነት እንስዕብ፧ (1 ጴጥ. 2:21) ኣብዘን ኣገደስቲ ዳሕሮት መዓልትታት: ነቲ የሱስ ኣብ ኣገልግሎት ዝገደፈልና ኣብነት ጠቢቕና ንኽንስዕብ ዚከኣለና ዘበለ ዅሉ ንግበር!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ