ቀዳምነት እንህቦ ነገር
1. የሱስ ንኣገልግሎቱ ቐዳምነት ይህቦ ኸም ዝነበረ ብኸመይ ኣርኣየ፧
1 የሱስ ንኣገልግሎቱ ቐዳምነት ይህቦ ነበረ። ብእተኻእሎ መጠን ንብዙሓት ሰባት ንምስባኽ፡ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤም ኣማእታት ኪሎ ሜትራት ብእግሩ እናተጓዕዘ ኣበርቲዑ ይዓዪ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ግዜን ቈላሕታን ምእንቲ ኺህብ ከኣ ቀሊል ናብራ ይነብር ነበረ። (ማቴ. 8:20) ብዙሓት ሰባት ንሕሙማቶም ምእንቲ ኼሕውየሎም ካባታቶም ከይከይድ ኪሕዝዎም ምስ ፈተኑ፡ “ስለዚ እየ እተለአኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብከለን ይግብኣኒ እዩ” በሎም።—ሉቃ. 4:43።
2. የሱስ ንኣገልግሎቱ ኣገዳሲ ገይሩ ዚርእዮ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧
2 የሱስ ንኣገልግሎቱ ኣገዳሲ ገይሩ ዚርእዮ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ብቐዳምነት ዜገድሶ ዝነበረ፡ ምቕዳስ ስም የሆዋ እዩ ነይሩ። (ማቴ. 6:9) ንሰማያዊ ኣቦኡ የፍቅሮ ስለ ዝነበረ፡ ፍቓዱ ኺፍጽምን ንዅሉ ትእዛዛቱ ኺሕሉን ይብህግ ነበረ። (ዮሃ. 14:31) ብዘይካዚ፡ ንሰባት ካብ ልቢ ይሓልየሎም፡ ኪሕግዞም ድማ ይደሊ ነበረ።—ማቴ. 9:36, 37።
3. ንኣገልግሎትና ቐዳምነት ከም እንህቦ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧
3 ንየሱስ ምሰሎ፦ እዛ ዓለም እዚኣ፡ ግዜና ስለ እትወስደልናን ኣቓልቦና ብዚስሕብ ብዙሕ ነገራት ስለ ዝመልአትን፡ ከም የሱስ ንኣገልግሎትና ቐዳምነት ክንህቦ ኼጸግመና ይኽእል እዩ። (ማቴ. 24:37-39፣ ሉቃ. 21:34) ስለዚ፡ እቲ ዚሓይሽ ክንምርምር፡ ማለት ንዕዮ ስብከት ወትሩ ንኽንዳሎን ኣብኡ ኣዘውቲርና ንኽንካፈልን መደብ ከነውጽእ ኣሎና። (ፊል. 1:10) ቀሊል ናብራ ኽንነብርን በዛ ዓለም እዚኣ ኸም ዘይተጠቐምና ኽንከውንን ክንጽዕር ኣሎና።—1 ቈረ. 7:31።
4. ነቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ቀዳምነት ክንህቦ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
4 ሓደ ጥበበኛ ሰብ እተወሰነ ግዜ ጥራይ ከም ዘለዎ እንተ ተረዲኡ፡ ነቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት እዩ ቐዳምነት ዚህብ። ንኣብነት፡ ሓደገኛ ህቦብላ ይመጽእ ኸም ዘሎ እንተ ፈሊጡ፡ ግዜኡን ጕልበቱን፡ ብቐዳምነት ንስድራ ቤቱ ንምድሓንን ንጐረባብቱ ንምጥንቃቕን እዩ ዚጥቀመሉ። ነቲ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ነገራት ኣየተኵረሉን እዩ። እቲ ኸም ህቦብላ ዝዀነ ኣርማጌዶን ዚመጽኣሉ ግዜ ይቐርብ ኣሎ። (ጸፎ. 1:14-16፣ 1 ቈረ. 7:29) ንርእስናን ነቶም ዚሰምዑናን ምእንቲ ኸነድሕን፡ ኣብ ኣገልግሎት ይኹን ኣብ ጉባኤ ንርእስናን ንትምህርትናን ክንጥንቀቕ ኣሎና። (1 ጢሞ. 4:16) እወ፡ ክንድሕን እንተ ዄንና፡ ንኣገልግሎት ቀዳምነት ክንህብ ኣሎና።