ንበዓል ዝኽሪ ዝኸውን መዘኻኸሪታት
ናይዚ ዓመት እዚ በዓል ዝኽሪ ረቡዕ 16 ሚያዝያ እዩ ዝውዕል። ሽማግለታት ነዚ ዝስዕብ ነገራት ቈላሕታ ኽገብርሉ ይግባእ:-
◼ እቲ ኣኼባ ዝግበረሉ ሰዓት ክውሰን ከሎ: እቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ኽዘውር ኣለዎ።
◼ ዝከኣል እንተ ዀይኑ: ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ንበይና በዓል ዝኽሪ ኸተብዕል ኣለዋ።
◼ ንዅሎም: ነቲ ኣቦ መንበርን ተዛራባይን እውን ሓዊስካ: እቲ በዓል ዝግበረሉ ሰዓትን ቦታን ብልክዕ ክንገሮም ኣለዎ።
◼ እቲ ግቡእ ዓይነት ቅጫን ወይንን ክቕረብ ኣለዎ።—ናይ 15 ለካቲት 1985 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 19 ከምኡውን ኣብ ናይ ጥሪ 2003 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጸ ምልክታ ርአ።
◼ ቢያትታት: ቢኬሪታት: ግቡእ ዝዀነ ጣውላ: ከምኡውን ናይ ጣውላ ጨርቂ ኣቐዲሙ ናብቲ ኣደራሽ ክመጽእን ክዳሎን ኣለዎ።
◼ እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ወይ ካልእ ናይ መአከቢ ቦታ ኣቐዲሙ ኣጸቢቑ ኽጸሪ ኣለዎ።
◼ ተቐበልቲ ኣጋይሽን እቶም ዘዝሩን ኣቐዲሞም ክምረጹ: ብዛዕባ ሓላፍነቶም: ግቡእ ዝዀነ ኣሰራርሓ: እቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ተኣከብቲ እናተቐባበሉ ኸሕልፍዎ ኸም ዘለዎም: ከምኡውን ብዛዕባ ምዕሩግ ኣከዳድናን ኵለንትናዊ ኣቃውማን መምርሒ ኽወሃቦም ኣለዎ።
◼ ነቶም ካብ ቅቡኣት ኰይኖም ብሰንኪ እርጋንን ሕማምን ክመጹ ዘይክእሉ እቲ ቕጫን ወይንን ንምቕራብ ምድላዋት ክግበር ኣለዎ።
◼ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ጉባኤታት ኣብ ሓንቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክጥቀማ መደብ እንተደኣ ገይረን: ኣብ ደገ ምጽቕቓጥ ምእንቲ ኸይህሉ ኣብ መንጎ ጉባኤታት ጽቡቕ ምትሕብባር ክግበር ኣለዎ። ዝከኣል እንተ ዀይኑ ኣብ መንጎ ኽልተ ኣኼባታት ካብ 30 ክሳዕ 45 ደቒቕ ፍልልይ ክግበር ኣለዎ።