መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ግን.
“ገሊኡ ሕቶታት ሰባት ክምልስዎ ኣይክእሉን እዮም። ንኣብነት: ነዛ ሕጂ ዘንብበልካ እሞ ስማዕ። [እዮብ 21:7 ኣንብብ።] ንኣምላኽ ክትሓቶ እትደሊ ሕቶዶ ኣሎካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ኣብ ኵሉ ክፍልታት ምድሪ ዝርከቡ ሰባት ንሰለስተ ኣዝየን ኣገደስቲ ሕቶታት ብኸመይ ዘዕግብ መልሲ ኸም ዝረኸቡ እያ እትሕብር።”
May 8
“መብዛሕትና ሕማም ሽኮርያ ዘለዎ ሰብ ንፈልጥ ኢና። ብዛዕባ እዚ ሕማም እዚ ብዙሕ ፍልጠት ኣሎካዶ፧ [ገበር እታ መጽሔት ኣርእዮ: መልሲ ድማ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: ጠንቂ እዚ ሕማምን እንታይ ዓይነት ሕክምና ኽግበር ከም ዝከኣልን ትገልጽ። ኵሉ ሕማም ንሓዋሩ ብዛዕባ ዝጠፍኣሉ እዋን ዝገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መብጽዓ እውን ትሕብር።” ኢሳይያስ 33:24 ብምንባብ ዛዝም።
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ግን.
“መዓልታዊ ብዛዕባ ዓመጻ ንሰምዕ ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ቅድሚ ሕጂ ዝነበረዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝብል እሞ ኣስተብህል። [ማቴዎስ 24:37 ኣንብብ።] ብግዜ ኖህ ዝነበሩ ሰባት ኣዝዮም ክፉኣት ስለ ዝነበሩ: ኣምላኽ ብዘይካ ንኖህን ስድራቤቱን ንዅሎም ሰባት ደምሰሶም። እዛ መጽሔት እዚኣ እቲ ፍጻመ እቲ ንዓና እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ትገልጽ።”
May 22
“ኣብዚ ግዜና ብሓሸራ ዝመሓላለፍ ሕማም ሓደ ኻብቲ ንጥዕና ዘስግእ ኰይኑ ኣሎ። ንርእስና ንምክልኻል ገለ ስጕምትታት ክንወስድ ከም እንኽእል ትፈልጥዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ነቲ ኽንወስዶ እንኽእል ስጕምትታት ትገልጽ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባቲ ሕማም ዘይህልወሉ ግዜ ዝኣተዎ መብጽዓ እውን ትሕብር።” ኢሳይያስ 33:24 ብምንባብ ዛዝም።