መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መጋ.
“ነዚ ቐጺለ ዘንብበልካ ምኽሪ ዅሉ ሰብ ኣብ ግብሪ እንተ ዜውዕሎ ዓለምና ትመሓየሽዶ ይመስለካ፧ [ሮሜ 12:17, 18 ኣንብብ። ድሕሪኡ መልሲ ተጸበ።] እቲ ዜሕዝን ግን ሓድሓደ ግዜ ኣብ መንጎ ሰባት ዘይምርድዳእ ይፍጠር እዩ። እዛ መጽሔት እዚኣ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምውዓል ዘይምርድዳእ ኣብ ምፍታሕን ሰላም ኣብ ምምጻእን ዘለዎ ግደ ትገልጽ።”
Awake! Mar. 22
“ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት: ናይ ጸዓት ጠለብ ይውስኽ እዩ ዘሎ። እቲ ዜድልየና ጸዓት እንተ ዚውዳእ እንታይ ኰን መጋጠመ ትብል፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: ብዛዕባቲ ብከላ ዘይብሉ ምንጪ ጸዓት ንምርካብ እተገብረ ምዕባለ እትድህስስ እያ። ምንጪ ዅሉ ጸዓት መን ምዃኑ እውን ትሕብር።” ኢሳይያስ 40:26 ኣንብብ።
ግምቢ ዘብዐኛ 15 መጋ.
“ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ሰባት ንትምህርትታት የሱስ የድንቕዎ እዮም። [ኣብ ገጽ 3 ሕጡብ ጽሑፍ 1 ዚርከብ ጥቕሲ ኣንብብ።] እንተዀነ ግን: ኣብዛ ሕጂ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብበልካ ጥቕስን ኣብ ካልእን ዘሎ ትምህርትታት የሱስ ነዚ ግዜና ግብራዊዶ ይመስለካ፧ [ማቴዎስ 5:21, 22ሀ ኣንብብ። ድሕሪኡ መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝመሃሮ ትምህርትታትን ካብኡ ብኸመይ ክንጥቀም ከም እንኽእልን ትገልጽ።”
Awake! Mar. 22
“ብዙሓት ሰባት ንኣኽራን ብግርማኦም ጥራይ እዮም ዚፈትውዎም: እንተዀነ ግን: ኣብ ምድሪ ንዘሎ ህይወት ጠቐምቲ ምዃኖምሲ ትፈልጥዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ኣኽራን ንምንታይ ከም ዜድልዩናን እንታይ የጋጥሞም ከም ዘሎን ትገልጽ። ፈጣሪ ነዚ ኣገዳሲ ሃብቲ እዚ ብኸመይ ኪዕቅቦ ምዃኑ እውን ትጠቅስ።” መዝሙር 95:4 ኣንብብ።