መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ለካ.
“እዚ ዅሉ ጸገማት እናሃለወና ኽነሱ: ኣእምሮኣዊ ሰላም ክትረክብ እትኽእልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ዚህቦ ተስፋ ምፍላጥ ንብዙሓት ሰባት ሓጊዝዎም እዩ። [ሓንቲ ኻብቲ ኣብታ እተቕርባ ዓንቀጽ ዚርከብ ጥቕስታት ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: ካበይ ከም ዝመጻእና: ዕላማ ህይወት: ከምኡውን ብዛዕባ መጻኢ: መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ትገልጽ።”
Awake! Feb.
“ብዙሓት ሰባት: ብሰንኪ እዚ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ዓመጽ ይሻቐሉ። ድሕሪ ደጊም ኵነታት ዚመሓየሽዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዛ እተገርም ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እሞ ኣስተብህለላ። [መዝሙር 37:10 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: ብዛዕባ ጠንቂ ዓመጽን መፍትሒኡን መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ትገልጽ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ለካ.
“ስድራ ቤታት ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ እንተ ዜውዕላኦ: እንታይ ጽልዋ ምገበረለን ትብል፧ [ኤፌሶን 4:31 ኣንብብ። ድሕሪኡ: መልሲ ተጸበ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ: ኣብ ሓዳር ንዜጋጥም ግጭት ክትፈትሓሉ እትኽእልን ሓጐስ ዘለዎ ሓዳር ንኺህልወካ ዚሕግዝን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግብራዊ ሓሳባት ትህብ።” ነታ ኣብ ገጽ 18 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርእዮ።
Awake! Feb.
“ገለ ሰባት ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ እንገብሮ ጌጋ ይቋመቶ እዩ ኢሎም ይኣምኑ። ካልኦት ከኣ ክብደቱ ብዘየገድስ: ንዅሉ ሓጢኣትና ይቕረ ዚብለልና ዀይኑ ይስምዖም። ንስኻኸ እንታይ ምበልካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ: ግብሪ ሃዋርያት 3:19 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ: ብዛዕባ ምሕረት ኣምላኽ ንምርካብ ዚሕግዘና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሰለስት ስጕምትታት ትገልጽ።” ነታ ኣብ ገጽ 10 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርእዮ።