መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 15 መጋ.
“መብዛሕትና እነፍቅሮም ሰባት ሞይቶምና እዮም። ብዛዕባ እዚ ዜጸናንዕ መብጽዓ እዝስ ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧ [ግብሪ ሃዋርያት 24:15 ኣንቢብካ መልሲ ተጸበ።] ይኹን እምበር: ብዙሓት ሰባት መን እዩ ዚትንስእ፧ እዚኸ መዓስ እዩ ዚኸውን፧ ኣበይከ እዩ ዚኸውን፧ ብምባል ይሓቱ። እዛ መጽሔት እዚኣ ነዚ ሕቶታት እዚ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ትምልስ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሚያ.
“እዛ ፍልጥቲ ኣበሃህላ እዚኣ ፍልጠት ኣምላኽ ምርካብ ዘለዎ ኣገዳስነት ተጕልሕ። [ማቴዎስ 4:4 ኣንብብ።] ብዙሓት ሰባት ግን ቃል ኣምላኽ ንኽትርድኦ ኸቢድ ኰይኑ እዮም ዚረኽብዎ። ንስኻኸ ኸምኡ ዀይኑዶ ረኺብካዮ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ንኽትርዳእ ዚሕግዘካ ግብራዊ ሓሳባት ትህብ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ሚያ.
“ሕጕስ ናብራ ስድራቤት ኪህልወካ ዚሕግዝ ሓደ መፍትሕ: ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ምዃኑ ዳርጋ ዅሉ ሰብ ይሰማምዓሉ እዩ። እንተዀነ ግን: ብዙሓት ሰባት ሓሳብ ንሓሳብ ኪለዋወጡ ይኸብዶም እዩ። ስለምንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ክእለት ከተማዕብል ዚሕግዘካ ሓሳባት ትህብ።” ያእቆብ 1:19 ኣንብብ።
Apr.
“ብዙሓት ሰባት መስቀል ናብ ኣምላኽ ንኪቐርቡ ኸም ዚሕግዞም ይዛረቡ። እንተዀነ ግን: ገለ ሰባት: ‘ነታ የሱስ እተቐትለላ መሳርሒት ምምላኽሲ ግቡእ ድዩ፧ የሱስከ ብሓቂ ኣብ መስቀል ድዩ ሞይቱ፧’ ኢሎም ይሓቱ። እዛ ኣብ ገጽ 12 ዘላ ዓንቀጽ: ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ ገይራ ነዘን ሕቶታት እዚኣተን ትምርምር።” ግብሪ ሃዋርያት 5:30 ኣንብብ።