መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሚያ.
“ዳርጋ ዅሉ መዓልቲ ንጥዕናና: ንስድራቤትና: ከምኡውን ንስራሕና ዚምልከት ሕቶታት የጋጥመና እዩ። ዜተኣማምንን ግብራውን መልሲ ግን ካበይ ክንረክብ ንኽእል ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:16 እንታይ ከም ዚብል ኣስተብህል። [ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ብብዙሕ ግብራዊ መገድታት ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል ትገልጽ።”
Awake! Apr.
“ብዙሓት ሰባት ክርስትያናት ኢና ይብሉ። ክርስትያን ምዃን ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] የሱስ ኣብዚ እንታይ ከም ዝበለ ኣስተብህል። [ዮሃንስ 15:14 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ክርስትያን እየ ኻብ ምባል ንላዕሊ ኸም ዜድሊ ትገልጽ።” ነታ ኣብ ገጽ 26 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርእዮ።
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ሚያ.
“ጭካነ ዝመልኦ ተግባራት ዝያዳ ልሙድ እናዀነ ዚመጽእ ዘሎ ይመስል። [ኣብቲ ኸባቢ ኻብ እተፈጸመ ወይ ካብታ መጽሔት ሓደ ኣብነት ጥቐስ።] ሰባት ከመይ ኢሎም ክሳዕ ክንድዚ ጨካናት ይዀኑ ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ጭከና እናወሰኸ ኸም ዚኸይድ ኣቐዲሙ ተነብዩ ነይሩ እዩ። [2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: ነታ ‘ጭከና የኽትም ደዀን ይኸውን፧’ እትብል ሕቶ ትምልስ።”
Awake! May
“ብዙሓት ሰባት ድኻታት ኪዀኑ ኸለዉ: ገሊኦም ግን ሃብታማት እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልልይ ዘይብሉ እዋን ንርኢዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣምላኽ ንድኻታት ብኸመይ ከም ዚርእዮም ኣስተብህል። [መዝሙር 22:24 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ መጽሓፍ ቅዱስ ንድኻታት ዚህቦም ተስፋ ትገልጽ።”