መጽሔታት ክንዕድል ከሎና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሚያ.
“ኣብዛ መጽሔት እዚኣ እቲ ድራር ጐይታ ተባሂሉ ዝጽዋዕ በዓል ተሳኢሉ ኣሎ። [ነቲ ናይ ቅድሚትን ድሕሪትን ገበር ናይታ መጽሔት ኣርኢ።] እዝስ እቲ ክርስትያናት ከም ዝኽሪ ኸብዕልዎ እተኣዘዝዎ እንኮ በዓል ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ሉቃስ 22:19 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: እዚ በዓል ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያትን ንዓኻ ብኸመይ ከም ዝትንክፈካን ትገልጽ።”
Apr. 8
“ህይወት ብዙሓት መንእሰያት ብሓሽሽ ክበላሾስ ዘሕዝንዶ ኸይኰነ፧ [መልሲ ተጸበ።] መብዛሕትኡ ግዜ መንእሰያት ምስ ዘይጥዑያት ኣዕሩኽ ምስ ዝቀራረቡ እዮም እዚ ሽግር እዚ ዝጅምር። [1 ቈረንቶስ 15:33 ኣንብብ።] እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ መንእሰያት ሓሽሽ ምውሳድ ንኽጅምሩ ጽልዋ ዝገብረሎም እንታይ ምዃኑን ወለዲ ኻብዚ ንኸዕቍብዎም እንታይ ክገብሩ ኸም ዘለዎምን ትገልጽ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ሚያ.
“ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ብዙሓት ሰባት መንፈሳዊ ስርዓታት የንቈልቍል ከም ዘሎ ተዓዚቦም ኣለዉ። ንስኻኸ ነዚ ኣስተብሂልካሉዶ ኣለኻ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ መዝሙር 119:105 ኣንብብ።] መንፈሳዊ ስርዓታት ንሰባት ኣብ ህይወቶም ካብ ዘጋጥም ሓያሎ ሓደጋታት ንኸምልጡ ኽሕግዞም ይኽእል እዩ። እዛ መጽሔት እዚኣ ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ስርዓታት ኣበይ ከም ዝርከብ እያ እትገልጽ።”
Apr. 22
“ኣብዛ ሃታሃታ ዝመልኣ ዓለም: ብዙሓት ሰባት ቈልዑ ልዕሊ ዕድሚኦም ክሓስቡ ኽርእይዎም ከለዉ ይድንጽዎም እዩ። ንዓኻኸ እዚ የተሓሳስበካዶ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ መክብብ 3:1, 4 ኣንብብ።] ቍልዕነት ናይ ዓበይቲ ጾር እትስከመሉ እዋን ክኸውን የብሉን። እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ወለዲ ንደቆም ብግዜ ቝልዕነቶም ንኽሕጐሱ ብኸመይ ዕቝባ ክዀንዎም ከም ዝኽእሉ ተርኢ።”