መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መጋ.
“ሓደ እዋን ንየሱስ ክርስቶስ ‘ካብ ኵለን ትእዛዛትሲ ኣየነይቲ እያ ቐዳመይቲ፧’ እትብል ሕቶ ቐሪባትሉ ነይራ። እንታይ ኢሉ ኸም ዝመለሰ እሞ ርአ። [ማርቆስ 12:29, 30 ኣንብብ።] የሱስ እንታይ ማለቱ ምንባሩ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ‘ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ብኸመይ ኢና እነርኢ፧’ ዘርእስታ ዓንቀጽ ትርጕም እዘን ውሩያት ቃላት እዚኣተን እያ እትገልጽ።”
Mar. 8
“ሓደ እዋን ብዙሓት ሰባት ኑክሌራዊ ውግእ ከይለዓል ይፈርሁ ነይሮም። ሕጂኸ ኑክሌራዊ ውግእ ዚለዓልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ንዅላትና ብዛዕባ ዜገድስ እዋናዊ ምዕባለታት እትምርምር እያ። ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተመባጽዖ ኣብ ዓለም ፍርሂ ዘይህልወሉ እዋን ከኣ ትገልጸልና።” ጸፎንያስ 3:13 ኣንብብ።
Mar. 22
መብዛሕትኦም ሰባት ዚፈልጥዎ ዜሕዝን ፍጻመ ድሕሪ ምጥቃስ ከምዚ ዚስዕብ በል:- “ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ኬጋጥም ዘፍቀደሉ ምኽንያት ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ያእቆብ 1:13 ኣንብብ።] እዛ ብፍላይ ንመንእሰያት ተባሂላ እተጻሕፈት ዓንቀጽ: እቲ ፈቃር ፈጣሪና ንስቓይ ደቅሰብ መወዳእታ ኺገብረሉ ኢሉ ገና ስጕምቲ ዘይወሰደሉ ምኽንያት ክትገልጸልካ እያ።”