መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ግን.
“ነዚ ሕጂ ዘሎ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ንምምሕያሽ ገለ መራሕቲ ሃይማኖት ምስ ፖለቲካውያን ይሓብሩ እዮም። ይኹን እምበር: ንየሱስ ኬንግስዎ ምስ ደለዩ እንታይ ከም ዝገበረ እሞ ኣስተውዕል። [ዮሃንስ 6:15 ኣንብብ።] የሱስ ኣብቲ ንሰባት ነባሪ ጥቕሚ ዜምጽእ ነገር እዩ ኣተኲሩ። እዛ መጽሔት እዚኣ እዚ እንታይ ምዃኑ እያ እትገልጽ።”
Awake! May 8
“መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ስርሖም ኣጸጋሚ ዅነታት የጋጥሞም እዩ። አረ ገሊኣቶምሲ ብመሳርሕቶም ይግፍዑ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ንኽንዋጽኣሉ ዚሕግዘና ምኽሪ ኸም ዚህብ ትፈልጥዶ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ምሳሌ 15:1 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ኣብ ስራሕ ምስ ካልኦት ሰባት ብኸመይ ብሰላም ክትነብር ከም እትኽእል ግብራዊ ሓሳባት ትህብ እያ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ግን.
“ሰባት ኣብ ምድሪ ዀይኖም ዚገብርዎ ነገራት ኣብ ስምዒት ኣምላኽ ገለ ጽልዋ ዘለዎዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ተግባራትና ንስምዒት ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚትንክፎ እሞ ርአ። [ምሳሌ 27:11 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ብዛዕባ ንልቢ ኣምላኽ ዜሐጕሱ ሰባትን ከመይ ጌርና ነቲ ኣብነቶም ክንስዕብ ከም እንኽእልን ትሕብረና።”
Awake! May 22
“ሕክምናዊ ስነ-ፍልጠት ኣብ ምክልኻል ሕማም ዜደንቕ ምዕባለታት ገይሩ እዩ። ይኹን እምበር: ካብ ሕማም ናጻ ዝዀነ ዓለም ንርኢዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ እቲ ዅሎም ሰባት ምሉእ ጥዕና ኸም ዚህልዎም እተዋህበ ተስፋ ኸም ዚፍጸም እያ እትገልጽ።” ኢሳይያስ 33:24 ኣንብብ።