ሕቶ ሳጹን
◼ ብተሌፎን ምስክርነት ክንህብ ከለና: ወፈያ ኽገብሩ ኸም ዝኽእሉ ኽንገልጸሎም ግቡእ ድዩ፧
ንሰባት ብኣካል ኬድና ምስክርነት ክንህቦም ከለና: እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘካይድዎ ዓለምለኻዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብፍታው ብዝግበር ወፈያታት ከም ዝሽፈንን ወፈያ እንተ ሂቦምና ንኽንቅበሎም ሕጉሳት ምዃንናን ክንገልጽ ንኽእል ኢና። ብተሌፎን ምስክርነት ክንህብ ከለና ግን ወፈያ ኽገብሩ እንተ ሓቲትናዮም: ገንዘብ ንምርካብ ብተሌፎን ጌርና ምሕጽንታ እነቕርብ ክመስል ስለ ዝኽእል ነዚ ምድላው እዚ ኽንጠቕሰሎም የብልናን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት መኽሰብ ዝርከበሉ ኣይኰነን።—2 ቈረ. 2:17
◼ ብተሌፎን ምስክርነት ክንህብ ከለና: ሓደ ሰብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንደገና ንኸይድውሉሉ እንተ ነጊሩና እንታይ ክንገብር ይግባእ፧
እቲ ሰብ ድሌቱ ክኽበረሉ ኣለዎ። ኣብ መጻኢ ኻልኦት ኣስፋሕቲ ምእንቲ ኸይድውሉሉ ኣብቲ ናይ ዞባ ካርድ መትሓዚ ስም እቲ ሰብን ዕለትን ክምዝገብ ኣለዎ። ሓንሳእ ኣብ ዓመት: ዝርዝር ናይቶም እንደገና ኸይድወለሎም ዝሓተቱ ሰባት ከም ብሓድሽ ክርአ ኣለዎ። ድሕርዚ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ: ተመክሮ ዘለዎን ጥንቁቕን ኣስፋሒ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሕጂ ዘለዎም ስምዒት ንምፍላጥ ክድውለሎም ይኽእል እዩ።—ኣብ ሰነ 1994 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጸት ሕቶ ሳጹን ርአ።
◼ ንእሱራት ክንምስክረሎም ከለና: እንታይ ጥንቃቐ ኢና ኽንገብር ዝግባእ፧
ኣብ መላእ ዓለም እንተ ወሓደ ሸሞንተ ሚልዮን ዝዀኑ እሱራት ኣለዉ: ገለ ኻብዚኣቶም ኣብቲ ብስራት ተገዳስነት የርእዩ እዮም። (1 ጢሞ. 2:4) ሓንቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣብ ወወርሒ ጽሑፋት ወይ ምብጻሕ ክግበረሎም ካብ ዝደለዩ እሱራትን ካብ ኣባላት ስድራቤቶምን 1,400 ደብዳበታት ይበጽሓ እዩ። ብዙሓት እሱራት ብሓቂ ተገዳስነት እኳ እንተ ሃለዎም: ገሊኣቶም ንህዝቢ ኣምላኽ ንኽብለጹሎም ኢሎም ተገዳስነት ዘለዎም ከም ዝመስሉ ኻብ ተመክሮ ተራእዩ እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው: ኵሎም ኣስፋሕቲ ንእሱራት ኣብ ዝምስክሩሉ እዋን ነዚ ዝስዕብ ጥንቃቐ ኽገብሩ ኣለዎም።
መብዛሕትኡ እዋን እሱራት ብደብዳበ እዩ ምስክርነት ዝወሃቦም። ዋላ እውን ብመንፈሳዊ ንምሕጋዝ ተባሂሉ ኣሓት ንወዲ ተባዕታይ እሱር ደብዳበ ክጽሕፋ ኣይግባእን። እዚ ሓላፍነት እዚ ብቕዓት ብዘለዎም ኣሕዋት ጥራይ እዩ ኽተሓዝ ዘለዎ። ብቕዓት ዘለወን ኣሓት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ምስ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ እሱራት ክጸሓሓፋ ይኽእላ እየን። ዋላ እውን እቶም እሱራት እንተ ሓተቱ ገንዘብ ወይ ህያባት ክስደደሎም የብሉን።
ሓደ እሱር ተገዳስነት ምስ ዘርኢ: ስሙ ወይ ኣድራሻኡ ነታ ኣብቲ ተኣሲሩሉ ዘሎ ኸባቢ ዘላ ጉባኤ ኽለኣኽ ኣለዎ። መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ኣብታ ጉባኤ ዝርከቡ ብቕዓት ዘለዎም ኣሕዋት ነቲ ጕዳይ ብኸመይ ከም ዝሕዝዎ ይፈልጡ እዮም። ናበየነይቲ ጉባኤ ኸም እትሰዶ እንተ ዘይፈሊጥካ: እቲ ሓበሬታ ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ክለኣኽ ኣለዎ።
እተመደቡ ኣሕዋት ንእሱራት ብሓደ ኣኪቦም መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕዎም ጌጋ ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ኣስፋሕቲ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኸይዶም ብዘይ ቀይዲ ምስ እሱራት ክተሓዋወሱ ኣይግባእን። ብዘይካዚ: ብወዝቢ ንእሱራት ክበጽሕዎምን ምሳታቶም ኣጸቢቖም ክቀራረቡን ጽቡቕ ኣይኰነን።
ነቲ ብስራት ንእሱራት ክንነግሮም ከለና “ጠቢባን ከም ተመን: ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ” ንኹን።—ማቴ. 10:16