ቃል ኣምላኽ ሓቂ እዩ
1. መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ ሒዙ ዘሎ፧
1 እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ብዘሎ ቓልካ ሓቂ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝ. 119:160) የሆዋ በቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓሉ ኣቢሉ: ነቲ ኣብ ህይወት ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶታት መልሲ ይህብ እዩ። ነቶም እተጨነቑ ምጽንናዕን ተስፋን ይህቦም: ብኸመይ ከም እንቐርቦ ድማ ይሕብረና። ሓንቲ መማሰዊት ሰበይቲ “ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ምምሃር ልክዕ ከም ካብ ሓደ ግብ ዝበለ ጸልማት ክፍሊ ወጺእካ ናብ ሓደ ጽሩይን ብሩህን ባህ ዘብልን ክፍሊ ምእታው እዩ” በለት። ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ሓቂ ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታት ንሰባት ክትነግር ትጽዕር ዲኻ፧
2. መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ዝቕይር ብኸመይ እዩ፧
2 ንሰባት ናይ ምቕያርን ናይ ምስሓብን ሓይሉ:- ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ንኣልባብ ሰባት ናይ ምትንካፍን ህይወቶም ናይ ምቕያርን ሓይሊ ኣለዎ። (እብ. 4:12) ሓንቲ ኣብ ምንዝርና ተዋፊራ ዝነበረት ሮዛ እትበሃል መንእሰይ: ኣልኮላዊ መስተ ብብዝሒ ትሰቲ ሓሽሽውን ትወስድ ነበረት። ከምዚ ድማ በለት:- “ሓደ መዓልቲ ኣዝየ ተጨኒቐ ኸለኹ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰብ ሓዳር መጽሓፍ ቅዱስ ንጸገማትና ንምፍታሕ ብኸመይ ክሕግዘና ኸም ዝኽእል ነገሩኒ። ቃል ኣምላኽ ከጽንዕ ጀመርኩ: ኣዝዩ ዝምስጥ ኰይኑ ኸኣ ረኸብክዎ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣነባብራይ ኣጽፊፈ ኸም ብሓድሽ ንምጅማር ሓይሊ ረኸብኩ። ድሕርዚ ዕላማ ህይወት ስለ ዝፈለጥክዎ: ኣብ ኣልኮላዊ መስተ ወይ ሓሽሽ ክጽጋዕ ኣየድለየንን። ዓርኪ የሆዋ ክኸውን ብርቱዕ ባህጊ ስለ ዝነበረኒ ኸኣ ብስርዓታቱ ኽመላለስ ቈሪጸ እየ ነይረ። ካብ ቓል ኣምላኽ ጥበብ እንተ ዘይረክብ ነይረ: ብዘይጥርጥር ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ ባዕለይ ህይወተይ መጥፋእክዋ ነይረ።”—መዝ. 119:92
3. መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ካብ ምንጋር ክንቍጠብ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧
3 መጽሓፍ ቅዱስ ከም ካልኦት መጻሕፍቲ ዘይኰነስ: “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን” ንእተዋጽኡ ሰባት እዩ ዝስሕብ። (ራእ. 7:9) ኣምላኽ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” እዩ ዝደሊ። (1 ጢሞ. 2:4) ስለዚ: ሓደ ሰብ ብሰንኪ መበቈሉ ጥራይ ነቲ ብስራት ኣይቅበሎን እዩ ኢልና ኽንሓስብ የብልናን። የግዳስ: ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሎም ሰባት ንንገር: ከምኡ ኽንገብር ከለና ድማ ብእተኻእለና መጠን ብቐጥታ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ነንብበሎም።
4. ምስክርነት ክንህብ ከለና ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧
4 ጥቕስታት ኣጕልሕ:- ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣገልግሎት ንምጥቃም ዘኽእል ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎ። መጽሔታት ክትዕድል ከለኻ: ነቲ ኣብቲ ዝወሃበና መእተዊታት ዝርከብ ጥቕስታት ከተንብቦ ጽዓር። ገሊኣቶም ጽሑፍ ክዕድሉ ኸለዉ: ኣብ መእተዊኦም ብጥንቃቐ እተመርጸ ጥቕሲ ምንባብ ኣስላጢ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ: እቲ በዓል ቤት በብቝሩብ ርጡብ ፍልጠት ምእንቲ ኸጥሪ ሓንቲ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ጥቕስታት ኣንብበሉ። ንሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሓሎም ከለኻ: ምይይጥካ ኣብቲ ኣገዳሲ ጥቕስታት ከም ዘተኵር ግበሮ። ኣጋጣሚ ኣብ እትረኽበሉ ዘበለ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ምእንቲ ኽትህብ መጽሓፍ ቅዱስ ካባኻ ኣይትፍለ።—2 ጢሞ. 2:15
5. ኣብ ኣገልግሎትና መጽሓፍ ቅዱስ ክንጥቀም ክንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
5 ኣብ ኣገልግሎትና ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ወትሩ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጥቃም ሰባት ካብቲ ሓቂ ቃል ኣምላኽ ዘለዎ ዘለዓዕል ሓይሊ ንኽጥቀሙ ንሓግዞም።—1 ተሰ. 2:13