ሕቶ ሳጹን
◼ ናይ ብሕትኻ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ብኸመይ ክትረክብ ትኽእል፧
እቲ ብጽሑፍ ኰነ ብኣውድዮ ካሴት ዚዳሎ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ኵንትራት ብዅሉ ቛንቋታት ካብ ዚቋረጽ ጸኒሑ እዩ። ብጀካ እቶም ብብረይልን ብኣውድዮ ካሴትን ዚዳሎ ጽሑፋት ብናጻ ንኺስደደሎም ብቑዓት ዝዀኑ: ኵሎም ኣስፋሕቲ ጽሑፋትን ኣውድዮ ካሴታትን ከካብ ጉባኤኦም ንኺወስዱ ምድላዋት ተገይሩ እዩ። ጉባኤታት በቲ ናይ ጉባኤ መሕተቲ (M-202) ቕጥዒ ገይረን መጽሔታትን ኣውድዮ ካሴታትን ከምኡውን ብናይ ወጻኢ ቛንቋን ብፍሩይ ፊደላትን ዚዳሎ ጽሑፋት ኪእዝዛ ይኽእላ እየን።
ኣብ ዞባኻ መጽሔት ብቐጻሊ ኸተብጽሓሉ ዝሓተተ ሰብ እንተሎ: በጃኻ ዋላ ሓንቲ ሕታም ከየሕለፍካ ውሰደሉ። ካብ ጉባኤ እተወገደ ሰብ መጽሔታት ወይ ድማ ካልእ ጽሑፋት ካብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ጽሑፋት ዚዝርግሓሉ ባንኮ ንብሕቱ ኺወስድ ይኽእል እዩ። ኣስፋሕቲ ንእተወገዱ ሰባት መጽሔት ከብጽሑሎም ኣይግባእን።
ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ነቶም ኣስፋሕቲ መጽሔት ኬብጽሑሎም ዘይኽእሉ ሰባት ጥራይ እዩ ኵንትራት ዚሰድድ። መጽሔት ብኻልእ መገዲ ኺረክብ ዘይኽእል ሰብ ኵንትራት ክኣቱ እንተደኣ ሓቲቱ: ጸሓፊ እታ ጉባኤ: እቲ ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ ነቲ ኵንትራት ብጥንቃቐ ርእዩ ኸም ዘሕለፎ ዚሕብር ሕጽር ዝበለ ጽሑፍ ኪልእኽ ኣለዎ።
እዚ ማለት ድማ ኣስፋሕቲ ብብሕቶም ኵንትራት ናይ ምእታው ሕቶ ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኬቕርቡ የብሎምን ማለት እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ኣስፋሕቲ ዀነ ናይ ተገደስቲ ሰባት ሕቶ ናብ ጉባኤኦም እዩ ዚምለስ።
◼ ሓደ እሱር ናይ ብሕቱ ቕዳሓት መጽሔታት ብኸመይ ኪረክብ ይኽእል፧
ኣብ ከባቢ እቲ ቤት ማእሰርቲ እትርከብ ጉባኤ ንእሱራት መጽሔታት ከተብጽሓሎም ትኽእል እንተ ዀይና: ሓደ እሱር ናይ ብሕቱ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ካብቶም ኣስፋሕቲ ኺረክብ ይኽእል እዩ። እዚ ዘይከኣል እንተ ዀይኑ ድማ እቲ እሱር ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ጽሒፉ ዅንትራት ንኺኣቱ ኺሓትት ይኽእል እዩ። ካብ ጉባኤ እተወገዱ እሱራት እውን ከምዚ ኣብዚ ሕጡብ ጽሑፍ ተገሊጹ ዘሎ ገይሮም ናይ ብሕቶም ቅዳሓት መጽሔታት ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም።