መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መስ.
“ኵላትና ሕጕሳት ክንከውን ንደሊ ኢና። ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ነገራት ሓቀኛ ሓጐስ ዜምጽእዶ ይመስለካ፧ [ማቴዎስ 5:4, 6, 10 ኣንብብ። ድሕሪኡ መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ነዘን ካብቲ ውሩይ ዝዀነ ናይ ከረን ስብከት እተወስዳ ቓላት እትገልጽ ኰይና ኣብ ርእሲኡ ድማ ሕጉስ ንኽትከውን እንታይ ምግባር ከም ዜድሊ ትገልጽ።”
Awake! Sep. 8
“ካብ 4 ሰባት 1 ኣብ ህይወቱ ናይ ኣእምሮ ሕማም ከም ዜጋጥሞ ይግመት። መብዛሕትና ናይ ኣእምሮ ሕማም ዘለዎ ሰብ ንፈልጥ ኢና። [ነታ ዓንቀጽ ገንጽላ] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ሓደ እነፍቅሮ ሰብ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ምስ ዚርከብ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ዚሕግዝ ሓሳባት ኣለዋ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 መስ.
“ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ነዘን ፍሉጣት ቃላት እዚኣተን ኣብ ጸሎቶም ይጠቕስወን እዮም። [ማቴዎስ 6:10 ኣንብብ።] ፍቓድ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምድሪ እንተ ዚኸውን: ህይወት ከመይ ምመሰለት ትብል፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ነዘን ሕጂ ዘንበብናየን ቃላት ሓዊስካ ንትርጕም ናይ ነፍሲ ወከፍ ክፋል ናይታ ኣቡነ-ዘበሰማያት እትብል ጸሎት ትገልጽ እያ።”
Awake! Sept. 22
“ብዙሓት ሰባት በቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ኣብ መንእሰያት ዚርአ ኻብ መጠን ንላዕሊ ኣልኮላዊ መስተ ናይ ምስታይ ባህሪ ብዙሕ እዮም ዚሻቐሉ። ብዛዕባ እዚ ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ምሳሌ 20:1 ኣንብብ።] ካብ መጠን ንላዕሊ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ንመንእሰያት ኣብ ብዙሕ ሓደጋታት እዩ ዜውድቖም። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ መንእሰያት ኣልኮላዊ መስተ ኻብ መጠን ንላዕሊ ኺሰትዩ ንዚግበረሎም ጸቕጢ ብኸመይ ኪዋጽእሉ ኸም ዚኽእሉ ዚገልጽ ሓሳባት ሒዛ ኣላ።”