መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሰነ
“ኵሉ ሰብ ብዛዕባ ሰላም እኳ እንተ ተዛረበ: ሓድነት ዓለም ኪመጽእ ግን ኣይከኣለን። ሰላም ኪብጻሕ ዘይክእል ሕልሚ ጥራይ ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ንዓለም ከተሕብራ ብዛዕባ እትኽእል መንግስቲ ትገልጽ እያ።” መዝሙር 72:7, 8 ኣንቢብካ እዚ ብኸመይ ከም ዚፍጸም ንምምይያጥ ተመሊስካ ኽትበጽሖ ቘጸራ ግበር።
Awake: June 8
“ንብዙሓት ሰባት እቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ናይ ቈርበት መንሽሮ ኸም ዜተሓሳስቦም ኣስተብሂልካዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ሎሚ ኣብ ሓደገኛ ግዜ ዘለናሉ ምኽንያትን ካብዚ ሕማም እዚ ንምክልኻል ድማ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእልን ትገልጽ።” ነቲ ኣብ እዮብ 33:25 ዘሎ ዜጸናንዕ መብጽዓ ብምክፋል ዛዝም።
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ሰነ
“መብዛሕትና ዚበዝሕ ዕድሜና ኣብ ስራሕ ኢና እነሕልፎ። ገሊኦም ነዚ ኸም በረኸት ኪርእይዎ ኸለዉ ኻልኦት ግን ከም መርገም እዮም ዚርእይዎ። ንስኻኸ እንታይ ምበልካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ መክብብ 2:24 ኣንብብ] እዛ መጽሔት እዚኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስራሕ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንኺህልወና ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ትገልጽ። ነቲ ምስ ስራሕ ተተሓሒዙ ዚመጽእ ጸቕጥታት ብኸመይ ክንዋጽኣሉ ኸም እንኽእል እውን ትገልጽ እያ።”
Awake! June 22
“ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ግብሪ እንተ ዜውዕለን: እዚ እንነብረሉ ዘለና ማሕበረሰብ ዚመሓየሽዶ ይመስለካ፧ [ኤፌሶን 4:28 ኣንብብ። ድሕሪኡ መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: ብዛዕባ እቲ ነፍሲ ወከፍና ብሰንኪ እቲ ኣብ ድኳናት ዚርአ ስርቂ እንኸፍሎ ዝያዳ ገንዘብ ትገልጽ። ካብ ድኳናት ምስራቕ ይኹን ካልእ ኵሉ ገበን ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኺጠፍእ ምዃኑ እውን ትገልጽ እያ።”