ኣውራጃዊ ኣኼባ ምስ ኣምላኽ ንኽንመላለስ የለዓዕለና
እቲ “ምስ ኣምላኽ ተመላለሱ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ: ነቲ “እዚኣ እያ እታ መገዲ: ብእኣ ተመላለሱ” ዚብል ንጹር መምርሒ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ኣቃሊሕዎ! (ኢሳ. 30:21) ነቲ እተዋህበና መምርሒ ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ ‘ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እንመላለስ ንኽንምልከት’ ኪሕግዘና እዩ። (ኤፌ. 5:15) ብዛዕባ እቲ እተመሃርናዮ ምስ እነስተንትን ድማ ‘በታ ሓቂ ንኽንመላለስ’ ኪድግፈና እዩ።—3 ዮሃ. 3
እቲ ኣብዚ ዓመት እዚ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ብድግማ መልክዕ ኪቐርብ ከሎ በዚ ሕቶታት እዝን በቲ ዝጸሓፍካዮ መዘኻኸርን ጌርካ ተዳለወሉን ተሳተፍን።
1. ሄኖክ ሽሕኳ ህውከት ኣብ ዚመልኦ ግዜ ይነብር እንተ ነበረ ምስ ኣምላኽ ኪመላለስ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ (እብ. 11:1, 5, 6፣ ይሁ. 14, 15፣ “ኣብ እዋን ዕግርግር ምስ ኣምላኽ ተመላለሱ”)
2. እቲ ኣብ ሉቃስ 16:10 ዘሎ ስርዓት ኣበየናይ ናይ ህይወትና መዳይ እዩ ዚውዕል፧ (“‘ብሒደት እሙን’ ዲኻ፧”)
3. (ሀ) ኣብ ትንቢት ሆሴእ ካብ ምዕራፍ 6 ኽሳዕ 9 ዚርከብ ምስ ኣምላኽ ንኽንመላለስ ዚሕግዘና ኣርባዕተ ጠቓሚ ትምህርትታት ጥቐስ። (ሆሴ. 6:6, 7፣ 7:14፣ 8:7) (ለ) ካብ ሆሴእ ምዕራፍ 10 ኽሳዕ 14 ዘሎ ሓሳባት እንታይ ምስ የሆዋ ንኽንመላለስ ዚሕግዘና ተወሳኺ ነጥብታት ኢና እንረክብ፧ (“ትንቢት ሆሴእ ምስ ኣምላኽ ክንመላለስ ይሕግዘና”—ዓውደ-መጽናዕቲ)
4. ክርስትያን ሰብኡትን ኣንስትን ሓዳሮም ንምድልዳል እንታይ ተግባራዊ ዝዀነ ነገራት ኪገብሩ ይኽእሉ፧ (ምሳ. 12:4፣ ኤፌ. 5:29፣ “‘ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞ’ ኣይትፍለይዎ”)
5. ነቲ ቕዱስ ዝዀነ ኣኼባና ዘሎና ኣኽብሮት ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ (መክ. 5:1፣ ኢሳ. 66:23፣ “ነቲ ቕዱስ ኣኼባና ኣኽብሮት ምርኣይ”)
6. (ሀ) ኣብ ኣገልግሎት ትርጕም ዘለዎ ተሳትፎ ምእንቲ ኺህልወና እንታይ ሰለስተ ኣገደስቲ መዳያት ናይ ዕዮ ስብከት ኢና ኽንምርምር ዘሎና፧ (ኢሳ. 52:7፣ ዘካ. 8:23፣ ማር. 6:34) (ለ) ኣየናይ ክፋል ናይታ ንዅሎም ኣህዛብ ዚኸውን ብስራት እትበሃል ጽሕፍቲ ኢኻ ብፍላይ ጠቓሚ ዀይኑ ዝረኸብካዮ፧ (“ንዅሎም ኣህዛብ ዚኸውን ብስራት”፣ “ነቶም ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ሰባት ብምሕጋዝ”)
7. ሓደስቲ ሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ኪነግሩ ኸለዉ ምትእምማን ምእንቲ ኺሓድሮም ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ (መሳ. 7:17፣ “ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣገልግሎት ንኺሓብሩና ብምሕጋዝ”)
8. ‘እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር: ምቕራባ’ ከም ዝኣመንናሉ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ (ጸፎ. 1:14፣ “ብምርኣይ ዘይኰነስ ብእምነት ምምልላስ”)
9. (ሀ) ምዕንቃፍ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ እዩ፧ (ማር. 9:42-48) (ለ) ንሕና ንገዛእ ርእስና ንኸይንዕንቀፍ ብኸመይ ክንጥንቀቕ ንኽእል፧ (መዝ. 119:165) (ሐ) ንኻልኦት ሰባት ንኸይንዕንቅፍ ብኸመይ ክንጥንቀቕ ንኽእል፧ (1 ቈረ. 10:24፣ “ብገለ ነገር መዓንቀፊ ኸቶ ኣይንሃብ”)
10. ናይ መርዓ ብጻይ ኣብ ምድላይ: ኣብ ክንክን ጥዕና ኸምኡውን ኣብ ንግዳዊ ዋኒናትና ብኸመይ ሚዛናውያን ክንከውን ንኽእል፧ (መዝ. 26:4፣ ማቴ. 6:25፣ 1 ጢሞ. 6:9፣ “ጥንቁቓት ኩኑ”)
11. (ሀ) የሱስ ካልኦት ሰባት ኪዕድምዎ ኸለዉ ነቲ ኣጋጣሚ ብኸመይ ይጥቀመሉ ነበረ፧ (ሉቃ. 10:42፣ 24:32) (ለ) ንዓናን ንኻልኦትን ኬሐድስ ዚኽእል ምዝንጋዕ ብኸመይ ከነማልእ ንኽእል፧ (1 ቈረ. 10:31-33፣ “ኼሐድስ ዚኽእል ባህ ዜብል ንጥፈታት”)
12. ብመሰረት መዝሙር ምዕራፍ 23: ከም ኣባጊዕ የሆዋ መጠን እንታይ በረኸታት ኢና እንረክብ: እንታይ ሓላፍነታትከ እዩ ዘሎና፧ (1 ቈረ. 10:21፣ “የሆዋ ጓሳና እዩ”)
13. ክርስትያናት ነቲ ‘ግዜ ዓድጉ’ ዚብል መንፈስ ዝነፈሶ ምኽሪ ብኸመይ እዮም ዚስዕብዎ፧ (ኤፌ. 5:16፣ “ግዜ ዓድጉ”)
14. (ሀ) ኣብ ራእይ 14:7 ‘እታ ዚፈርደላ ጊዜ’ ተባሂላ ዘላ እንታይ ዘጠቓለለት እያ፧ (ለ) ካብ ዓባይ ባቢሎን ፍሉያት ምዃንና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ (“እታ ዚፈርደላ ጊዜ በጺሓ እያ እሞ: ‘ንቕሑ’”) (ሐ) ካብታ ንቑሕ ኩን! ዘርእስታ ብሮሹር እንታይ ዚምስጠካ ነጥብታት ረኺብካ፧
15. ‘ነታ ቕንዕቲ መገዲ ንኸይንሓድጋ’ ኺሕግዛና ዚኽእላ ሰለስተ ባህርያት ጥቐስ። (2 ጴጥ. 2:15፣ “ነታ ቕንዕቲ መገዲ ኣይትሕደግዋ”)
16. መንእሰያት ካብ “መገዲ ረሲኣን” ኪርሕቁ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (ምሳ. 4:14፣ “ኣቱም መንእሰያት ብመገዲ ጽድቂ ተመላለሱ”)
17. (ሀ) ጳውሎስ ብምጽማም ዝመጸ ብሉጽ ኣብነት ዝዀነ በየናይ መገድታት እዩ፧ (ግብ. 14:19, 20፣ 16:25-33) (ለ) ነቶም ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚጻረሩ ሰባት ክንፈርሆም ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ (ድራማን “ሎሚውን ምጽራር እኳ እንተሎ ምሉእ ምስክርነት ንሃብ” ዘርእስቱ ዝርርብን)
18. እቶም ምስ ኣምላኽ ዚመላለሱ እንታይ በረኸታት እዮም ዚረኽቡ፧ (“ምስ ኣምላኽ ምምልላስ ሕጅን ንሓዋሩን በረኸታት የምጽእ”)
ነቲ ‘ኣብ ድሕሬና ዘሎ ቓል’ ብምቕላብ ምስቲ ሰማያዊ ኣቦና ንዘለኣለም ንምምልላስ ቈራጽነት ንግበር።—ኢሳ. 30:21፣ ዮሃ. 3:36