ሓዳስ ብሮሹር ንምዕዳል ዚግበር ፍሉይ ወፈራ
1 ሎሚ ብዙሓት ሰባት ብዅነታት ዓለም ይጭነቑ ኣለዉ። ዓለም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ዘላትሉ ምኽንያት: ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዚኸውን: ከምኡውን ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ፍርዲ ብህይወት ንምስጋር እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ዚፈልጡ እውን ብዙሓት ኣይኰኑን። (ህዝ. 9:4) ብዛዕባ ኣገዳስነት እዚ እዋንና ምእንቲ ኺርድኡ: ካብ ሰኑይ 3 ጥሪ ኽሳዕ ሰንበት 30 ጥሪ ነታ ንቑሕ ኩን! ዘርእስታ ብሮሹር ንምዕዳል ፍሉይ ወፈራ ኽንገብር ኢና።
2 እዛ ብሮሹር እዚኣ ኻብ ቤት ናብ ቤት ከተገልግሉ ኸለኹም: ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብሩ ኸለኹም: ንእግረ-መገድኹም ምስክርነት ክትህቡ ኸለኹም: ወይ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኣብ ዚወሃብ ምስክርነት ክትዕድልዋ ትኽእሉ ኢኹም። ይኹን እምበር: እዛ ንቑሕ ኩን! ዘርእስታ ብሮሹር ስቕ ኢልካ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ክትዕደል ኣይግባእን። ኣብ ክንድኡስ: ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዅነታት ዓለም ዚብሎ ነገራት ተገዳስነት ዜሕድሩ ሰባት እያ ኽትዕደል ዘለዋ። እቶም ነቲ መልእኽቲ ብዙሕ ተገዳስነት ዘይብሎም ግን ትራክት እዩ ኺብርከተሎም ዘለዎ።
3 ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ኣቓልቦ ሰብ ክትስሕብ ትኽእል ትኸውን:-
◼ “ብዙሓት ሰባት በቲ ኣብዚ ግዜና ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ኸቢድ ጸገማትን ዜሰምብድ ፍጻመታትን ይጭነቑ እዮም። [ኣብቲ ኸባቢ ዚፍለጥ ኣብነት ጥቐስ።] ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጻመታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብትንቢት ተነጊሩ ምንባሩ ትፈልጥዶ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ምስቲ ዝጠቐስካዮ ኣብነት ዚተሓሓዝ ከም ማቴዎስ 24:3, 7, 8፣ ሉቃስ 21:7, 10, 11፣ ወይ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ዝኣመሰለ ጥቕሲ ኣንብብ።] መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ግዜና ጽንኩር ዝዀነሉ ምኽንያትን ኣብ መጻኢ ንደቅሰብ እንታይ ከም ዜጋጥሞምን ይገልጽ እዩ። ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ [መልሲ ተጸበ። ብሓቂ ተገዳስነት እንተ ኣርእዩ: ነታ ብሮሹር ኣበርክተሉ።] ነዛ ብሮሹር እዚኣ ብዘይ ክፍሊት ክትወስዳ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮና እተወሰነ ወፈያ ኽትገብር ትደሊ እንተደኣ ዄንካ: ተሓጒስና ኽንቅበለካ ንኽእል ኢና።”
4 ወይ ከኣ ነዚ ኣቀራርባ እዚ ጽቡቕ ፍረ ትረኽበሉ ትኸውን:-
◼ “ሎሚ ሓያሎ ሰባት ዜሰምብድ ፍጻመታት ብምስማዖም ወይ ዜሕዝን ነገራት ስለ ዘጋጠሞም ይጭነቑ ኣለዉ። ገሊኦም ኣምላኽ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ንምውጋድ ስለምንታይ ኢዱ ኸም ዘየእቱ ይሓቱ። ኣምላኽ ነቲ ንደቅሰብ ዜጋጥሞም ስቓይ ንምውጋድ ድሕሪ ሓጺር እዋን ስጕምቲ ኸም ዚወስድ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና እዩ። ኣምላኽ ንደቅሰብ ዜምጽኣሎም በረኸት እሞ ኣስተብህለሉ። [መዝሙር 37:10, 11 ኣንብብ።] ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧” ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ብምባል ዛዝም።
5 ስምን ኣድራሻን ነፍሲ ወከፍ ነዛ ብሮሹር እዚኣ ዝወሰደ ሰብ ክትምዝግብ ፈትን: ነቶም ተገዳስነት ዘለዎም ንምክትታል ድማ ተመሊስካ ኽትበጽሖም ቈጸራ ግበር። ነዚ ብኸመይ ክትገብሮ ኸም እትኽእል ዚገልጽ ሓሳባት ኣብ ናይ ጥሪ 2005 ሕታም ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኺወጽእ እዩ። ሓደ ውልቀ-ሰብ ፈለማ ኽትበጽሖ ምስ ከድካ ብሓቂ ተገዳስነት እንተ ኣርእዩ: በታ ንቑሕ ኩን! ዘርእስታ ብሮሹር ወይ ብኻልእ ከም ብቕዓት ዝኣመሰለ ጽሑፋት ጌርካ ብኡንብኡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀምረሉ።
6 እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ድሕሪ ምቕራባ: ቅዳሓት እዛ ሓዳስ ብሮሹር እዚኣ ኽትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም። ኣስፋሕቲ ዀኑ ፓይነራት ፈለማ ነተን ወፈራ ዚግበረለን ናይ መጀመርታ ሒደት መዓልትታት ዜድልዮም ብዝሒ ጥራይ እንተ ወሰዱ ይሓይሽ። የሆዋ ምእንቲ ውዳሴኡን ኣብ ኵሉ ቦታ ዚርከቡ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ምእንቲ ኺጥቀሙን ኢሉ ነዚ ፍሉይ ንጥፈት እዚ ኺባርኾ ንምነ።—መዝ. 90:17