ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/04 ገጽ 1
  • ሓገዝካ ይድለ ኣሎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓገዝካ ይድለ ኣሎ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣገልገልቲ ጉባኤ ጠቓሚ ኣገልግሎት ይህቡ
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ኣቱም ኣሕዋት፡ ንመንፈስ ኢልኩም ብምዝራእ ተመጣጠሩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ኣቱም መንእሰያት ኣሕዋት፡ ትመጣጠሩዶ ኣሎኹም፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ንኻልኦት፡ ሓላፍነት ንምስካም ድሌት ንኺሓድሮም ሓግዝዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
km 12/04 ገጽ 1

ሓገዝካ ይድለ ኣሎ

1 “ስለቲ ምእንታና እትገብርዎ ዅሉ ኸመስግነኩም እፈቱ። ዕዮኹም ብሓቂ እዩ ዚጠቕመና።” እዚ ርእይቶ እዚ ነቲ ብዛዕባ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ዘሎና ሞሳ ጽቡቕ ገይሩ ዚገልጽ እዩ። ኣብዚ ማሕበር የሆዋ እናዓበየት እትኸደሉ ዘላ ግዜ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዚርከባ ኣስታት 100,000 ዝዀና ጉባኤታት ዜገልግሉ ብሱላት ሰብኡት ብቐጻሊ የድልዩ ኣለዉ። እተጠመቕካ ሓው እንተደኣ ዄንካ: ኣብዚ መዳይ እዚ ሓገዝካ ይድለ ኣሎ።

2 ሓላፍነት ክትረክብ ‘ድሌት’ ምሕዳር:- ተወሳኺ ናይ ኣገልግሎት ሓላፍነት ንምርካብ ድሌት ከተሕድር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (1 ጢሞ. 3:1) ብመሰረቱ: ኣብ ኵሉ ናብራ ህይወትካ ሰናይ ኣብነት ብምዃን እዩ። (1 ጢሞ. 4:12፣ ቲቶ. 2:6-8፣ 1 ጴጥ. 5:3) ኣብ ዕዮ ስብከት ምሉእ ብምሉእ ተሳተፍ: ንኻልኦት ከምኡ ኺገብሩ ድማ ሓግዞም። (2 ጢሞ. 4:5) ኣብ ድሕንነት ኣመንቲ ብጾትካ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ኣርኢ። (ሮሜ 12:13) ንፉዕ ተመሃራይ ቃል ኣምላኽ ኩን: ከምኡውን ክእለት ‘ኣመሃህራኻ’ ኣማዕብል። (ቲቶ. 1:9፣ 1 ጢሞ. 4:13) ነቲ ብሽማግለታት ዚወሃበካ ዕዮ ብትግሃት ዕየ። (1 ጢሞ. 3:10) ርእሲ ስድራቤት እንተደኣ ዄንካ ድማ: ‘ቤትካ ብጽቡቕ ኣስተናብር።’—1 ጢሞ. 3:4, 5, 12

3 ሓላፍነት ኣብ ዘለዎ ቦታ ተመዚዝካ ምግልጋል: ኣበርቲዕካ ምዕያይን ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእን የጠቓልል። (1 ጢሞ. 5:17) ስለዚ: ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ንምርካብ ኣብ እትመጣጠረሉ ግዜ: ንኻልኦት ብትሕትና ኣብ ምግልጋል ኣተኵር። (ማቴ. 20:25-28፣ ዮሃ. 13:3-5, 12-17) ነቲ ጢሞቴዎስ ዝነበሮ ኣመለኻኽታ ኣስተንትነሉ: ንዕኡ ንምምሳል ድማ ጻዕሪ ግበር። (ፊል. 2:20-22) ልክዕ ከም ጢሞቴዎስ: እቲ ጽቡቕ ጠባይካ ንሓላፍነት ከም እትበቅዕ ኪምስክረልካ ኣለዎ። (ግብ. 16:1, 2) ተወሳኺ ሓላፍነታት ንኽትቅበል ዜድልየካ መንፈሳዊ ባህርያት ከተማዕብልን ንዕቤትካ ዚሕግዝ ምኽሪ ተቐቢልካ ኣብ ግብሪ ኸተውዕልን ከለኻ ‘እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ ኣብ ኵሉ ኺግለጽ’ እዩ።—1 ጢሞ. 4:15

4 ወለዲ ንደቅኹም ኪሕግዙ ምሃርዎም:- ውሉዳት ኪሕግዙ ኸም ዚግብኦም ካብ ሕጻንነቶም ኣትሒዞም ኪመሃሩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ኣኼባታት ብኣቓልቦ ኺሰምዑ: ኪሰብኩ: ከምኡውን ኣብ ጉባኤ ይኹን ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብነታውያን ኪዀኑ ኣለማምድዎም። ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብምጽራይ: ንኣረጋውያን ብምሕጋዝ: ከምኡውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ብምግባር ንኻልኦት ኪሕግዙ ኣለማምድዎም። ካብ ምሃብ ሓጐስ ኪረኽቡ ኣጋጣሚ ኽፈቱሎም። (ግብ. 20:35) ከምዚ ዝኣመሰለ ልምምድ ኣብ መጻኢ ፓይነራት: ኣገልገልቲ ጉባኤ: ከምኡውን ሽማግለታት ኰይኖም ንኺዓዩ ኺሕግዞም እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ