ንናይ ስድራቤት ግራት ኣገልግሎት ዚኸውን ናይ ስድራቤት መደብ
1 የሆዋ ስሙ ዚውድሱ ናእሽቱ ውሉዳት ኪርኢ ባህ እዩ ዚብሎ። (መዝ. 148:12, 13) የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ: ‘ቈልዑን ሕጻናትን’ እውን ከይተረፉ ንኣምላኽ ‘ኣመስጊኖም’ እዮም። (ማቴ. 21:15, 16) ሎሚ ዘሎ ዅነታት እውን ምስዚ ዚመሳሰል እዩ። ወለዲ: ውሉዳትኩም ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ቀናኣት ወደስቲ የሆዋ ዀይኖም ምእንቲ ኺዓብዩ: ብኸመይ ክትሕግዝዎም ትኽእሉ፧ ሕጂ እውን ከምቲ ኣብታ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት እትብል ዓንቀጽ ጐሊሑ ዘሎ: እቲ ቐንዲ ኽትሕግዝሉ እትኽእሉ መገዲ ኣብነት ብምዃን እዩ። ሓደ ኣቦ: “ውሉዳት ንእትብሎም ዘይኰነስ ንእትገብሮ እዮም ዚገብሩ” ብምባል መብዛሕትኦም ወለዲ ዚስምዖም ስምዒት ገለጸ።
2 ሓንቲ ፍርሃት ኣምላኽ ብዘለዎም ወለዲ ዝዓበየት ሓብቲ: “ቀዳም ንግሆ ኣገልግሎት ንኸይድ እንተ ዄንናን እንተ ዘይኴንናን ፈጺምና ሓቲትና ኣይንፈልጥን ኢና። ክንከይድ ምዃንና ንፈልጥ ነበርና” በለት። ብተመሳሳሊ: ንስኻትኩም እውን ኣድላይነት ናይ ዕዮ ስብከት ኣብ ኣልባብ ውሉዳትኩም ምእንቲ ኽትሰርጹ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ከም ስድራቤት መጠን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ስርዓታውያን ኴንኩም ንኽትካፈሉ ዜኽእለኩም መደብ ኣውጽኡ። እዚ መደብ እዚ ውሉዳትኩም ናትኩም ኣብነት ብምዕዛብ ንኺመሃሩ ኣብ ርእሲ ምሕጋዙ: ንዓኹም እውን ናይ ውሉዳትኩም ዝንባለ: ጠባይ ከምኡውን ኣብ ኣገልግሎት ዘለዎም ክእለት ንኼዕብዩ ኽትሕግዝዎም የኽእለኩም እዩ።
3 ብቐጻሊ ኣለማምድዎም:- ውሉዳት ባህ ኢልዎም ናብ ኣገልግሎት ምእንቲ ኺወፍሩን ውጽኢታዊ ተሳትፎ ኺህልዎምን ኣቐዲሞም ኪለማመዱ ኣለዎም። እታ ኣቐዲምና ዝጠቐስናያ ሓብቲ ቐጺላ: “ንወለድና ኣብ ዕዮ ስብከቶም ግደ ዘይብልና እነሰንዮም ጥራይ ኴንና ኣይንፈልጥን። ናይ ማዕጾ ደወል ምድዋል ከምኡውን ትራክት ገዲፍካ ናይ ምኻድ ጥራይ እውን ትኹን ግደ ኸም ዘሎና ንፈልጥ ነበርና። ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ንዚግበር ነፍሲ ወከፍ ንጥፈታት ኣቐዲምና ብምድላው: እንታይ ክንብል ከም ዘሎና ንፈልጥ ነበርና” ትብል። ንውሉዳትካ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ኽትገብሩ ኸለኹም ወይ እውን ኣብ ካልእ ግዜ ሒደት ደቓይቕ ብምምዳብ ኣብ ናይ ግራት ኣገልግሎት እንታይ ኪብሉ ኸም ዘለዎም ብምድላው ከተለማምዶም ትኽእል ኢኻ።
4 ከም ስድራቤት ኴንካ ሓቢርካ ምግልጋል: ሓቂ ኣብ ኣልባብ ውሉዳትካ ኽትሰርጸሎም ዚሕግዝ ተወሳኺ ኣጋጣሚ ኽትረክብ የኽእለካ እዩ። ሓደ ክርስትያን ኣቦ ንጓሉ ነተን ኣብ ርሕቕ ዝበለ ሽንጭሮ ዝነበራ ዓድታት: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትራክት ንኺዕድል በጺሑ ንኺምለስ ብጠቕላላ 20 ኪሎ ሜተር ዚኸውን ኪጓዓዝ ከሎ ምስኡ ይማልኣ ነበረ። ንሳ “ኣብዚ ጕዕዞ እዚ ኸኣ እዩ ኣቦይ ንሓቂ ኣብ ውሽጢ ልበይ ዝተኸለለይ” ብምባል ብሞሳ ትዛረብ። (ዘዳ. 6:7) ንስኻ እውን ብተመሳሳሊ: ንናይ ግራት ኣገልግሎት ሰሙናዊ ኽፍሊ ናይ ስድራቤትኩም መደብ ምስ እትገብሮ ኸትባረኽ ኢኻ።