ንሰባት ዘሎና ዕዳ
1 ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰባት ኪሰብከሎም ግዴታ ኸም ዘለዎ ይስምዖ ነበረ። የሆዋ ንዅሉ ሰብ ንምድሓን በቲ ኽቡር ደም ወዱ ኣቢሉ ምድላው ከም ዝገበረ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (1 ጢሞ. 2:3-6) ስለዚ ኸኣ እዩ ጳውሎስ: “ንጽርኣውያንን ንኻልኦት ኣህዛብን ንለባማትን ንዓያሱን ዕዳ አሎኒ” ዝበለ። ጳውሎስ ዕዳኡ ንምኽፋል ከይተሓለለ ብትግሃት ነቲ ብስራት ይሰብኽ ነበረ።—ሮሜ 1:14, 15
2 ልክዕ ከም ጳውሎስ: ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ነቲ ብስራት ኣብ ዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ንጐረባብቶም ኪነግሩ ይጽዕሩ እዮም። ኣብዚ ዓብዪ “መከራ” እናቐረበ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን: ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ምንዳይ ህጹጽ ኰይኑ ኣሎ። ስለዚ እምበኣር: በቲ ንሰባት ዘሎና ናይ ሓቂ ፍቕሪ ተደሪኽና ኣብዚ ህይወት ዜድሕን ዕዮ እዚ ብትግሃት ንዕየ።—ማቴ. 24:21፣ ህዝ. 33:8
3 ዕዳና ምኽፋል:- ሰባት ክንረኽበሉ እንኽእል ቀንዲ መገዲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ምስባኽ እዩ። ኣብቲ ብዙሓት ሰባት ኣብ ቤቶም ዘይርከብሉ ዞባታት: ብዛዕባኦም ንጹር ሓበሬታ ብምሓዝ: ኣብ እተፈላለየ ግዜ ተመላሊስና ምስ እንበጽሖም ብዙሓት ሰባት ክንረክብ ንኽእል ኢና።። (1 ቈረ. 10:33) ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት: ኣብ ጐደናታት: ኣብ መናፈሻታት: መኻይን ደው ኣብ ዚብላሉ ቦታታትን ብተሌፎንን ብምምስካር እውን ሰባት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ‘እዚ ናይ ህይወት መልእኽቲ እዚ ንሰባት ንምንጋር ንዅሉ መዳይ ኣገልግሎት ብዚግባእ እጥቀመሉዶ ኣለኹ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና።—ማቴ. 10:11
4 ሓንቲ ፓይነር: ኣብ ዞባኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባት ክትበጽሖም ግዴታ ዘለዋ ዀይኑ ይስምዓ ነበረ። ሓንቲ ገዛ: ሰብ ዘይብላ መሳዅታ እውን ኵሉ ሳዕ ዕጹው ነበረ። ይኹን እምበር: ሓደ መዓልቲ እታ ፓይነር ኣብ ኣገልግሎት ኣብ ዘይነበረትሉ እዋን: ኣብ ኣፍደገ እታ ገዛ መኪና ደው ኢላ ረኣየት። እቲ ኣጋጣሚ ምእንቲ ኸይሓልፋ ኢላ ናብታ ገዛ ተኣልያ ደወል ደወለት። ሓደ ሰብኣይ ድማ ማዕጾ ኸፈታ: ድሕሪ እታ ናይ መጀመርታ ምይይጥ እታ ሓብቲ ምስ ብዓል ቤታ ዀይና ሓያለ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብረሉ ኸኣለት። ኣብ መወዳእታ እቲ ሰብኣይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ኺግበረሉ ፍቓደኛ ዀነ: ሕጂ እተጠምቀ ሓው ኰይኑ ኣሎ። እዚ ሓው እዚ እታ ሓብቲ ንኻልኦት ዕዳ ኸም ዘለዋ ተሰሚዕዋ ብምስባኻ የማስወሉ እዩ።
5 መወዳእታ እናቐረበ ኣብ ዚኸደሉ ዘሎ እዋን: ኣብ ዕዮ ስብከት ኣበርቲዕና ብምዕያይ ንሰባት ዘሎና ዕዳ እንኸፍለሉ ግዜ ሕጂ እዩ።—2 ቈረ. 6:1, 2