ንኽትሰብኽ ዜኽእለካ ኣጋጣሚታት ፍጠር
1 ክርስትያናዊት ጉባኤ ብእተፈላለየ ዅነታት ዘለዎም ሰባት ዝቘመት እያ። ይኹን እምበር: ንየሆዋ ንምውዳስ ኣብ ዝገበርናዮ ቘራጽነት ሕቡራት ኢና። (መዝ. 79:13) ብሰንኪ ጥዕና ምስኣን ወይ ካልእ ጸገማት ነቲ ብስራት ካብ ምስባኽ ምስ እንድረት: ንኽንሰብኽ ዜኽእለና ኣጋጣሚታት ንምፍጣር እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
2 ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታት:- የሱስ መዓልታዊ ምስ ሰባት ኣብ ዝነበሮ ርክብ: ንዝረኸቦ ኣጋጣሚ ምስክርነት ንምሃብ ይጥቀመሉ ነበረ። በቲ ግብሪ ዚኽፈሎ ቤት ጽሕፈት ኪሓልፍ ከሎ ንማቴዎስ: ኪጕዓዝ ከሎ ንዘኬዎስ: ኣዕሪፉሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ ድማ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ብምዝራብ ንዝረኸቦ ኣጋጣሚታት ንምምስካር ተጠቕመሉ። (ማቴ. 9:9፣ ሉቃ. 19:1-5፣ ዮሃ. 4:6-10) ንሕናውን ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትና ንዚለዓል ዕላል ምስክርነት ንምሃብ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡውን ትራክት ወይ ብሮሹር ኣብ ቀረባ ምስ ዚህልወና: ብዛዕባ ተስፋና ንኽንዛረብ ክንድረኽ ኢና።—1 ጴጥ. 3:15
3 ክትንቀሳቐስ ዘይምኽኣልካ: ኣብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ዕዮ ኻብ ምክፋል ይዓግተካ ድዩ፧ ነቶም ኪበጽሑኻ ዚመጹ ሰብ ሞያ ሕክምናን ካልኦት እትረኽቦም ሰባትን ንምምስካር: ዝረኸብካዮ ኣጋጣሚታት ተጠቐመሉ። (ግብ. 28:30, 31) ካብ ገዛ ኽትወጽእ ዘይትኽእል እንተደኣ ዄንካ: ብተሌፎን ወይ ደብዳበ ኽትምስክር ፈቲንካዶ ትፈልጥ፧ ሓንቲ ሓብቲ ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ኣባላት ስድራቤታ ኣዘውቲራ ደብዳበ ትጽሕፈሎም። ኣብ ደብዳበኣ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸበቶ ዜተባብዕ ሓሳባትን ክትምስክር ከላ ዝረኸበቶ ተመክሮን ትጽሕፈሎም።
4 ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ:- ንየሆዋ ንምውዳስ ዘሎና ድሌት እውን ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘርኢ ሓቂ ንኽንዘርእ ኬለዓዕለና እዩ። ሓደ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ኣስፋሒ ብዛዕባ ወርሒ ዚገልጽ ኣብ መጽሔት ንቕሑ! ዝረኸቦ ሓሳባት ንደቂ ኽፍሉ ኣካፈሎም። መምህሩ ነቲ ሓበሬታ ኻበይ ከም ዝረኸቦ ምስ ፈለጠት: መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ኽትቅበል ጀመረት። ኣብ ስራሕና ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ: ሰባት ኪርእይዋ ኣብ ዚኽእሉ ቦታ ምቕማጥ ጥራይ ሕቶ ኼልዕልን ምስክርነት ናብ ምሃብ ኪመርሕን ይኽእል እዩ።
5 ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትካ ኽትሰብከሉ እትኽእል ኣጋጣሚታት ንምፍጣር ዜኽእለካ መገዲ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ገሊኣቶም ናይ ጥዕና ጸገማት ዘለዎም ኣስፋሕቲ ኣብ ደገ ኾፍ ኢሎም ንሓለፍቲ መገዲ ብምዝራብ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ፈጢሮም እዮም። ንዅነታትና ብዚግባእ ተጠቒምና: “ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና” ኸነቕርብ ንጽዓር።—እብ. 13:15