ንዝረኸብካዮ ኣጋጣሚታት፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ ተጠቐመሉ!
1. ካብ ኣብነት ዳዊት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
1 ንጉስ ዳዊት ነቲ ዘጋጠሞ ዅነታቱ ኻብ ዕላማኡ ኼጐናድቦ ዘይፈቅድ ሰብ እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ዳዊት ንየሆዋ ቤት ኪሰርሓሉ ደለየ። ኪሰርሕ ከም ዘይክእል ምስ ተነግሮ ግና ሸቶታቱ ኣተዓራርዩ፡ ወዱ ሰሎሞን ነታ ቤት መቕደስ ኪሰርሓ ኸሎ፡ ዜድሊ ነገራት ኣብ ምድላው ሓገዘ። (1 ነገ. 8:17-19፣ 1 ዜና 29:3-9) ዳዊት ኪገብሮ ኣብ ከይክእል ነገራት ኣብ ክንዲ ዚሓስብ፡ ኪገብሮ ኣብ ዚኽእል ነገራት ኣተኰረ። ንሕናኸ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ ኣጋጣሚታት ኣብ እነናድየሉ እዋን፡ ኣብነት ዳዊት ክንቀድሕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2. ብዛዕባ ርእስና እንታይ ኢና ኽንምርምር ዘሎና፧
2 ዚከኣለካ ግበር፦ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ሓገዝቲ ወይ ስሩዓት ፈለምቲ ዀይኖም ምእንቲ ኼገልግሉ፡ ናብራኦም ኣቐሊሎም እዮም። (ማቴ. 6:22) ንስኻኸ ኽትሓብሮም ትኽእልዶ፧ ንዅነታትካ ብጸሎት ምስ እትምርምሮ፡ ‘ናብ ዕዮ ዜእቱ ዓብዪ ኣፍ ደገ ኸም እተኸፍተልካ’ ተስተብህል ትኸውን። ስለዚ፡ ነቲ ዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ተጠቐመሉ።—1 ቈረ. 16:8, 9።
3. ኵነታትና ፈለምቲ ኽንከውን ዘይፈቕደልና እንተ ዀይኑ፡ ንኣየናይ ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚታት ኢና ኽንጥቀመሉ እንኽእል፧
3 ኵነታትካ ፈላሚ ንኽትከውን ዘይፈቕደልካ እንተ ዀይኑኸ፧ ንዝረኸብካዮ ኻልእ ኣጋጣሚታት ኣይትሕለፎ። ንኣብነት፡ ዓለማዊ ስራሕካ ምስ ዘይኣመንቲ ዜራኽበካ እንተ ዀይኑ፡ ክትምስክረሎም እትኽእለሉ ኣጋጣሚታት ክትረክብ ከሎኻ ንምንታይ ዘይትጥቀመሉ፧ ወይ ድማ ምስ ጸገማት ጥዕና ትቃለስ እንተ ደኣ ኣሊኻ፡ ነቲ ዝረኸብካዮ ኣጋጣሚታት ንሰብ ሞያ ሕክምና ንምምስካር ክትጥቀመሉ ትኽእልዶ፧ ነቶም ብምኽንያት እርጋን ወይ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ንጥፈታቶም ኣዝዩ ድሩት ዝዀነ ኣስፋሕቲ 15፡ 30፡ ወይ 45 ደቒቕ ጸብጻብ ኪህብ ዚኽእሉሉ መሰናድዎ ኸም ዘሎ እውን ኣይትረስዕ። ወርሓዊ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኣብ እትመልኣሉ እዋን፡ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ኣብ ምሃብ ንዘሕለፍካዮ ሰዓትን ንነፍሲ ወከፍ ትራክትታትን ወረቐት ዕድመ ዓብዪ ኣኼባን ሓዊስካ፡ ዝዀነ ይኹን ዘበርከትካዮ ጽሑፍ ምምዝጋብካ ኣረጋግጽ። እቲ ንኣሽቱ ዚመስል ኣጋጣሚታት ተደማሚሩ፡ ሰዓትካ ኽሳዕ ክንደይ ብቕልጡፍ ኪውስኽ ከም ዝገበረ ኽትርኢ ኸለኻ ኽትግረም ኢኻ!
4. እንታይ ንኽትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧
4 ብሕታዊ ዅነታትና ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ንዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ብስራት ንምዝርጋሕ ንጠቐመሉ። ስለዚ፡ ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኢልና ዝከኣለና ዘበለ ዅሉ ኸም ዝገበርና ስለ እንፈልጥ፡ ክንዓግብ ኢና።—ማር. 14:8፣ ሉቃ. 21:2-4።