ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/06 ገጽ 5
  • ፍጡን ረድኤት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ፍጡን ረድኤት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ክርስትያናዊት ጉባኤ ምንጪ ዘሐይል ደገፍ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ‘ንሽማግለታት ይጸውዕ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
km 2/06 ገጽ 5

ፍጡን ረድኤት

1. ሓደ ሰብ ብመንፈስ ኪደክም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

1 ዘይኣማኒ ብዓል ቤትን ከቢድ ስራሕን ዝነበራ ኣና እትበሃል ሓብቲ: ኣኼባታት ስርዓታዊ ዄንካ ምክፋልን ኣብ ኣገልግሎት ምስታፍን ቃል ኣምላኽ ምጽናዕን ጸጊምዋ ነበረ። ንየሆዋ ተፍቅሮ እኳ እንተ ነበረት: ዛሕተለት። እቲ ዜሐጕስ ግን: ኵነታታ ኻብ ዘስተብሃሉ ሽማግለታት መንፈሳዊ ሓገዝ ረኸበት።

2. ኵሎም ክርስትያናት ፍጡን ረድኤት ኪህቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

2 ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚወሃብ ሓገዝ ምቕባል: ኣብ የሆዋ ኸም እትውከል ዜርኢ እዩ። ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታት ነቲ የሱስ ክርስቶስ ዘርኣዮ ፍቕራዊ ሓልዮት ብምቕዳሕ: ነቶም ብመንፈስ ዝደኸሙ ንምትብባዕን ግብራዊ ሓገዝ ንምሃብን ዜኽእሎም ኣጋጣሚታት የናድዩ እዮም። (1 ተሰ. 5:14) መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመርኰሰ ዜተባብዕ ቃላት ብሕያውነት ምዝራብ ጥራይ እኹል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነቶም ንግዜኡ ብመንፈስ ዝደኸሙ ሰባት ምሕጋዝ: ናይ ሽማግለታት ጥራይ ዘይኰነስ: ናይ ኵሎም ክርስትያናት ሓላፍነት እዩ። “ብግቡእ ጊዜ እተዘርበ ቓል” ሓያል ጽልዋ ኸም ዘለዎ: ኵላትና ኸም እተመኰርናዮ ኣየጠራጥርን እዩ።​—⁠ምሳ. 25:11፣ ኢሳ. 35:3, 4

3, 4. ንኻልኦት ምሕጋዝ እንታይ የጠቓልል፧ ነዚኸ ብኸመይ ኢና ኽንገብሮ እንኽእል፧

3 ተበግሶ ውሰድ:- ነቶም ሓገዝ ዜድልዮም ፍቕራዊ ተገዳስነት ከነርኢ እንተደኣ ዄንና: ተበግሶ ኽንወስድ: ክንድንግጽ: ከምኡውን ብትግሃት ክንጽዕር ኣሎና። ዮናታን: ዳዊት ተጨኒቑ ኸም ዘሎ ምስ ፈለጠ: “ተንሲኡ ናብ ዳዊት ናብቲ ዱር ከደ: ኢዱ ኸኣ ብኣምላኽ ኣጽንዔ።” (1 ሳሙ. 23:15, 16) ንኻልኦት ክትሕግዞም ከለኻ ብሕያውነት ቅረቦም። ካብ ናይ ሓቂ ሓልዮት ተበጊስካ ዚዝረብ ቃላት ጽቡቕ ውጽኢት እዩ ዘለዎ። ብተወሳኺ: የሱስ ንሓደ መንፈሳዊ ሓውና ወይ ሓብትና ንምምላስ: ኰነ ኢልካ ዘይሕለል ጻዕሪ ምግባር ከም ዜድሊ ዚገልጽ ንጹር ምሳሌ ሂቡ እዩ። (ሉቃ. 15:4) ንኻልኦት ንምሕጋዝ ልባዊ ባህጊ ምስ ዚህልወና: ዋላ እውን እቲ ሰብ ቅልጡፍ ዕቤት እንተ ዘየርኣየ: ከይተሓለልና ሓገዝ ምሃብ ከም እንቕጽል እዩ ዚገብረና።

4 ነቶም ኣብ ከም ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ዘለዉ ኣሕዋት: ኣብ ኣገልግሎት ምእንቲ ኼሰንዩና ተበግሶ ወሲድና ኽንዕድሞምሲ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዜተባብዕ ኰን እዩ! ንሓደ ኣገልጋሊ የሆዋ ዝዀነ ብጻይና ኣብ ኣገልግሎት ኪሳተፍ ክንሕግዞ ኸለና: ነቲ ኣጋጣሚ ኣእዳዉ ንምጽናዕ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። እቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል እተሕልፍዎ ደስ ዜብል ግዜያት: ብፍላይ ነቲ መንፈሳውነቱ ኼመሓይሽ ዚጽዕር ዘሎ ብዙሕ ኪጠቕሞ ይኽእል እዩ።

5. ሓድሓደ ግዜ ሽማግለታት እንታይ ሓገዝ እዮም ኪህቡ ዚኽእሉ፧

5 ፍቕራዊ ምድላው:- እቶም ንእተወሰነ ግዜ ኣብ ዕዮ ስብከት ዘይተኻፈሉ ወይውን ምስታ ጉባኤ ዘይሓበሩ ሰባት: እምነቶም ንምህናጽ ተወሳኺ ሓገዝ ምሃብ የድልዮም ይኸውን። በተን ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ: ንየሆዋ ቕረቦ: ወይ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስተን ጽሑፋት ጌርካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር ጥራይ ኣኻሊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ሰብ ድሮ እተጠምቀ ስለ ዝዀነ: እቲ መጽናዕቲ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኪቕጽል ኣየድልን እዩ። ናይ ጉባኤ ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ: ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምድላዋት ኪጥቀሙ ዚኽእሉ ሰባት ኬለልዩ ኣለዎም።​—⁠ናይ ሕዳር 1998 ከምኡውን ናይ ሕዳር 2000 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ሕቶ ሳጹናት ርአ።

6. ሓንቲ ሓብቲ መንፈሳውነታ እተሓደሰ ብኸመይ እዩ፧

6 እታ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰት ኣና: ነቲ ሓንቲ ብስልቲ ሓብቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብረላ ብሽማግለታት እተገብረ ምድላው ብሓጐስ ተቐበለቶ። ናብ የሆዋ መሊሳ ንኽትቀርብ ኣርባዕተ ሳዕ ጥራይ መጽናዕቲ ኽትገብር እዩ ኣድልይዋ። ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክትካፈል ጀመረት: ንየሆዋ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ሰባት ንምውዳስ ድማ ድሌት ኣሕደረት። ካብ ቤት ናብ ቤት ንኽትሰብኽ ትብዓት ክሳዕ እትረክብ ድማ: እታ ሓብቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ እትመርሓሎም ሰባት እናወሰደት ሓገዘታ። እዛ ሓብቲ እዚኣ ብመንፈስ ንኽትብርትዕ: እተጽንዕ ኢድ ጥራይ እያ ተድልያ ነይራ።

7. ካልኦት ብመንፈስ ከም ዚድልድሉ ምግባር እንታይ ጥቕምታት ኣለዎ፧

7 ነቶም ዝዛሕተሉ ምሕጋዝ ንዅሉ በረኸት የምጽእ። እቲ ሓገዝ ዚረክብ ዘሎ ሰብ: ነቲ ናብ የሆዋ ብምቕራብን ኣብ ናይ ማሕበሩ ንጥፈታት ብምስታፍን ዚርከብ ሓጐስ ኬስተማቕር ይኽእል እዩ። ሽማግለታት ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ዕቤት ኪርእዩ ኸለዉ ይሕጐሱ እዮም። (ሉቃ. 15:5, 6) ኣባላት እታ ጉባኤ ንሓድሕዶም ፍቕራዊ ሓልዮት ስለ ዜርእዩ: ነታ ጉባኤ እውን ሓድነት የምጽኣላ። (ቈሎ. 3:12-14) ስለዚ እምበኣር: ነቲ ብቐረባ ኺርከብ ዚኽእል ሓገዝ ዚህብ የሆዋ ኽንመስሎ እኹል ምኽንያት ኣሎና።​—⁠ኤፌ. 5:1

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ