መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ግን.
“ኣብ መላእ ዓለም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት በቲ ድኽነት ዜምጽኦ መሪር ሳዕቤናት ይሳቐዩ ኣለዉ። ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ንምሕጋዝ እንታይ ኪግበር ኣለዎ ትብል፧ [1 ጴጥሮስ 2:21 ኣንቢብካ መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: ነቶም ድኻታት ሰባት ሓልዮት ኣብ ምርኣይ ብኸመይ ኣብነት የሱስ ክንስዕብ ከም እንኽእል ትገልጽ።”
Awake! May.
“ስለምንታይ ከም እንኣርግ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስለምንታይ ከም እንኣርግ ዚህቦ መግለጺ: ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ንዘለኣለም ክንነብር ከም ዝፈጠረና ዜርኢ እዩ። [ኢሳይያስ 25:8 ኣንብብ።] እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ንገለ ኻብቲ ብዛዕባ እርጋን ዘሎ እዋናዊ ሓሳባት ትምርምር።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ግን.
“ኣብቲ እዛ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈት ጥቕሲ እትገልጾ ዅነታት ክትነብር ትኽእልዶ ይመስለካ፧ [2 ጴጥሮስ 3:13 ኣንቢብካ መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን እንታይ ምዃኑ ትገልጽ። ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ምስ ፈጸሞ: ህይወት ኣብ ምድሪ እንታይ ከም እትመስል እውን ትገልጽ እያ።”
Awake! May
“ገለ ሰባት ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ዕዉት ንኽትከውን ተሪር ምዃን ኣድላዪ እዩ ኢሎም ይኣምኑ። የሱስ ግን ብኣንጻሩ እንታይ ከም ዝበለ እሞ ኣስተብህል። [ማቴዎስ 5:5, 9 ኣንብብ።] ምስዚ ሓሳባት እዚ ትሰማማዕዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ሰላማዊ ምዃን ዘለዎ ሰለስተ ጥቕምታት ተጕልሕ።” ነታ ኣብ ገጽ 28 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርእዮ።