ነቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ባህርያት የሆዋ ሞሳ ኼርእዩ ሓግዞም
1 ኣብ ኣገልግሎት መሰረታዊ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኣይኰንናን እንምህር። ሰባት ንየሆዋ ኸም ሓደ ኣካል መጠን ኣጸቢቖም ኪፈልጥዎን ነቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ባህርያቱ ሞሳ ኼርእዩን እውን ንሕግዞም ኢና። ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ምስ ዚመሃሩ: ዓሚቝ ጽልዋ እዩ ዚገብረሎም። እዚ ኸኣ ‘ንእግዚኣብሄር ባህ ዜብሉን ንእኡ ብቑዓት ኰይኖም ዚመላለሱን’ ምእንቲ ኪዀኑ ኣብ ናብራኦም ለውጢ ንኺገብሩ የለዓዕሎም።—ቈሎ. 1:9, 10፣ 3:9, 10
2 ንመጽናዕቲ እትሕግዝ ሓዳስ መጽሓፍ:- እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ካብ መጀመርታ ኣትሒዛ ኣብ ባህርያት የሆዋ እያ እተተኵር። እታ ናይ መጀመርታ ምዕራፍ: ‘ኣምላኽ ብሓቂ ይሓልየልካ ድዩ፧፣ ኣምላኽ ከመይ ይመስል፧፣ ከምኡውን ንኣምላኽ ክትቀርቦ ይከኣል ድዩ፧’ ንዚብል ሕቶታት ትምልስ። እታ ምዕራፍ እቲኣ ንቕድስና የሆዋ (ቍ. 10): ፍትሑን ድንጋጹን (ቍ. 11): ፍቕሩ (ቍ. 13): ሓይሉ (ቍ. 16) ከምኡውን ምሕረቱን ጸጋኡን ንይቕሬታ ድልው ምዃኑን ትዕግስቱን እሙን ምዃኑን (ቍ. 19) ተጕልሕ እያ። ቍጽሪ 20 እታ ምዕራፍ: “ብዛዕባ የሆዋ ዝያዳ ብዝፈለጥካ መጠን: ብዝያዳ እዩ ጋህዲ ዚዀነልካ: ንኸተፍቅሮን ንኽትቀርቦን ድማ ዝያዳ ምኽንያት ይህልወካ” ብምባል ነቲ ሓሳባት ጽሙቕ ኣቢላ ትገልጾ።
3 ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ኣምላኽ ኪቐርቡ ምእንቲ ኽንሕግዞም: ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ብኸመይ ክንጥቀመላ ንኽእል፧ ሓንቲ ንባህርያት የሆዋ እተጕልሕ ሕጡብ ጽሑፍ ምስ ወሰድና: ነቲ ተመሃራይ: “እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ እዩ ዚምህረካ፧” ወይውን “እዚ የሆዋ ንዓኻ ብብሕቲ ኸም ዚግደሰልካ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧” ኢልካ ኽትሓቶ ትኽእል ኢኻ። መጽናዕቲ ኽንመርሕ ከለና ሓሓሊፍና ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ብምሕታት: ንተመሃሮና ነቲ ዚመሃርዎ ዘለዉ ነገራት ኬስተንትኑሉ ንምህሮም: ነቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ባህርያት የሆዋ ሞሳ ኼርእዩ ድማ ንሕግዞም።
4 ናይ ድግማ ሳጹን ተጠቐም:- ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ክትዛዘም ከላ: እቲ ተመሃራይ ንነፍሲ ወከፍ እቲ ኣብታ “መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ” እትብል ሳጹን ዚርከብ ነጥቢ ብናቱ ኣበሃህላ ገይሩ ሓሳባት ኪህበሉ ዓድሞ። ኣብቲ ኣብኡ እንታይ ከም ዚብል ዘይተገልጸ ጥቕስታት ከም ዜተኵር ግበር። ኣብ ልቢ እቲ ተመሃራይ ዘሎ ነገራት ንምፍላጥ ሓድሓደ ግዜ: “ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዚምህሮ ትምህርቲ ኸመይ ረኺብካዮ፧” ኢልካ ኽትሓቶ ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ብምግባር: ቀንዲ ነጥብታት እታ ምዕራፍ ተጕልሕ ጥራይ ዘይኰነስ: እቲ ተመሃራይ ብሓቂ እንታይ ከም ዚኣምን እውን ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ። እዚ ነቲ ተመሃራይ ምስ የሆዋ ርክብ ንኼማዕብል ኪሕግዞ እዩ።