መንፈስ ወለንተኛ በረኸት የምጽእ
1. ዳዊትን ነህምያን ወለንተኛታት ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧
1 ጐልያድ ነቶም ብወገን እስራኤል ተሰሊፎም ዝነበሩ ወተሃደራት ምስ ኣባጨወሎም: ሓደ ኻብቶም ወተሃደራት ኪዋግኦ ይኽእል ነይሩ እዩ። ወለንተኛ ዀይኑ ምስ ጐልያድ እተዋግአ ግን: ሓደ ዝዀነ ይኹን ናይ ውግእ ስልጠና ዘይወሰደ ጓሳ ዝነበረ ንእሸቶ ወዲ እዩ ነይሩ። (1 ሳሙ. 17:32) እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ኣይሁዳውያን መናድቕ የሩሳሌም ካብ ምህናጽ ምስ ሰነፉ: ሓደ ኣሰላፊ ሜስ ንጉስ ፋርስ ዝነበረ እዩ ነቲ ዕዮ ህንጸት ንምውዳብ: ነቲ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ዝነበሮ ጽቡቕ ቦታ ገዲፉ ናብ የሩሳሌም ኪምለስ ወለንተኛ ዝዀነ። (ነህ. 2:5) የሆዋ ነዞም ክልተ ሰብኡት ማለት ንዳዊትን ንነህምያን ስለቲ ዘርኣይዎ መንፈስ ባሪኽዎም እዩ።—1 ሳሙ. 17:45, 50፣ ነህ. 6:15, 16
2. ክርስትያናት መንፈስ ወለንተኛታት ኬርእዩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧
2 ሎሚ ኣብ ዓለም ወለንተኛ ናይ ምዃን መንፈስ እናጠፍአ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ሰባት ብናብራኦም ኣዝዮም ትሑዛት ከምኡውን “ፈተውቲ ርእሶም” እዮም ኰይኖም ዘለዉ። (2 ጢሞ. 3:1, 2) ሓደ ሰብ ነቲ ወለንተኛ ዀይኑ ንኻልኦት ኬገልግለሉ ዚኽእል ኣጋጣሚ ዕሽሽ ኢሉ ኣብ ውልቃዊ ዋኒኑ ኼተኵር ቀሊል እዩ። ይኹን እምበር: ንሕና ኸም ክርስትያናት መጠን: ነቲ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ተበግሶ ዚወስድ ዝነበረ የሱስ ክንመስሎ ኢና እንደሊ። (ዮሃ. 5:5-9፣ 13:12-15፣ 1 ጴጥ. 2:21) መንፈስ ወለንተኛታት ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እንታይ በረኸትከ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧
3. መንፈስ ወለንተኛ ንኣኼባታት ጉባኤ ኣበርክቶ ዚገብር ብኸመይ እዩ፧
3 ንኣሕዋትና ብምሕጋዝ:- ኣብቲ ሰማዕቲ ዚሳተፉሉ ኣኼባታት ሓሳባት ንምሃብ ወለንተኛታት ብምዃን: ንኻልኦት “መንፈሳዊ ውህበት” ከነማቕሎም ንኽእል ኢና። (ሮሜ 1:11) ሓሳባት ምሃብ ንየሆዋ የኽብር: ሓቂ ኣብ ኣእምሮናን ልብናን ከም ዚሰርጽ ይገብር: ነቲ ኻብ ኣኼባታት እንረኽቦ ሓጐስ ድማ ይውስኸሉ። (መዝ. 26:12) ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተተካኢ ዀይኑ ኽፍሊ ዜቕርብ ኪድለ ኸሎ ድማ ወለንተኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እዚ ኽእለት ኣመሃህራና ኸነመሓይሽ ኪሕግዘና እዩ።
4. መንፈስ ወለንተኛታት ከነርእየሉ እንኽእል ካልእ መገድታት እንታይ እዩ፧
4 ኣሕዋት ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ንኺስከሙ ብምምጥጣር መንፈስ ወለንተኛታት ኬርእዩ ይኽእሉ እዮም። (ኢሳ. 32:2፣ 1 ጢሞ. 3:1) ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓበይቲ ኣኼባታት ወለንተኛታት ብምዃን ብዘይገለ ዕንቅፋት ንኺካየድ ክንሕግዝ ንኽእል ኢና። ምስ ገያሺ ሓላዊ ንኸነገልግል ወይ ንገዛና ንኽንዕድሞ ወለንተኛታት ክንከውን ከለና ንሓድሕድና ‘ኽንጸናናዕ’ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 1:12) ንዘኽታማት: ንመበለታት: ንዝሓመሙ: ዝማሰኑ: ንኣሽቱ ደቂ ንዘለወን ኣዴታት: ከምኡውን ኣብታ ጉባኤ ንዘለዉ ኻልኦት ሰባት ግብራዊ ሓገዝ ክንህቦም ከለና ሓጐስን ሞገስን የሆዋን ኢና እንረክብ።—ምሳ. 19:17፣ ግብ. 20:35
5. ንኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚምልከት ከመይ ዝበለ ዕዮ እዩ ወለንተኛ ምዃን ዜድልዮ፧
5 ወለንተኛታት ኴንና ግዜናን ጕልበትናን ክንህበሉ እንኽእል ካልእ መዳይ ድማ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምጽራይን ምጽጋንን ብምሕጋዝ እዩ። ብተወሳኺ: ብዙሓት ሰባት ናብ ሓቂ ይመጹ ብምህላዎም: ሓደስቲ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ንምህናጽ ወለንተኛታት የድልዩ ኣለዉ። ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር: ዝዀነ ይኹን ናይ ምህናጽ ክእለት ዘይብሎም ክነሶም: ኪሕግዙ ፍቓደኛታት ኰኑ። ድሕሪ ግዜ ግን ልምምድ ስለ እተዋህቦም: ሕጂ መንደቕ ኣብ ምንዳቕ ይሕግዙ ኣለዉ። እታ ሰበይቲ: “ኣብ ጐድኒ ኻልኦት ኴንካ ምዕያይ ጥብቂ ምሕዝነት ከም እተማዕብል እዩ ዚገብር። ምሸት ብስጋ ንደክም እኳ እንተ ዀንና: ብመንፈስ ግን ንሕደስ ኢና” በለት።
6. ኣገልግሎት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ናይ ወለንታ ዕዮ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
6 ብምስባኽ:- ሎሚ ወለንተኛታት ኴንና ኽንዓዮ እንኽእል ኣገዳሲ ዕዮ: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ እዩ። ሰባት ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኪፈልጡን ኣብ ናብራኦም ኬውዕልዎን ምስ ዚሕገዙ ህይወቶም ትርጕም ኪህልዎን ጐዳኢ ወልፍታት ኬወግዱን ይኽእሉ። ብዛዕባ መጻኢ ዜነቓቕሕ ተስፋታት መጽሓፍ ቅዱስ ይመሃሩ። ንኻልኦት መጽሓፍ ቅዱስ ብምምሃር: ነባሪ ረብሓ ዜምጽኣሎም ዜሐጕስ ናይ ወለንታ ኣገልግሎት ኢና እንፍጽም። (ዮሃ. 17:3፣ 1 ጢሞ. 4:16) ኣብዚ ዕዮ እዚ ሓገዝቲ ወይ ስሩዓት ፈለምቲ ብምዃን: ናብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዚድለዩሉ ቦታታት ብምግዓዝ: ፍሉያት ፈለምቲ ብምዃን: ወይ ካልእ ቋንቋ ብምምሃር ብሰፊሑ ኸነገልግል ኵነታትና ይፈቕደልና ይኸውን።
7. ወለንተኛ ምዃን ብፍላይ ሎሚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
7 ንጉስ ዳዊት ኣብቲ እቲ መሲህ ግዝኣቱ ዚጅምረሉ ግዜ: ህዝቢ ኣምላኽ ‘ፈትዮም ኪመጹ’ ምዃኖም ተነብዩ ነበረ። (መዝ. 110:3) ኣብዚ የሆዋ ናይ መወዳእታ ዓጺድ ዜቀላጥፈሉ ዘሎ እዋን: ወለንተኛ ዄንካ ዚዕየ ብዙሕ ዕዮ እዩ ዘሎ። (ኢሳ. 60:22) “እኔኹ ልኣኸኒ” ኢልካዶ ኢኻ፧ (ኢሳ. 6:8) መንፈስ ወለንተኛታት ብምርኣይ ንየሆዋ ነሐጕሶ: ብዙሕ በረኸት ድማ ንዓጽድ።