“እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧”
1. መብዛሕትና እንታይ ጸገም እዩ ዘለና፧
1 ንቓል ኣምላኽ ተፍቅሮ ኽነስኻ ኣብኡ ተመዝጊቡ ንዚርከብ ጸብጻባት ወይ ሓሳባት ግን ብዝርዝር ምዝካሩ የሸግረካዶ፧ ውሉዳትካ ብዛዕባ መሰረታዊ ሓቅታትን ትምህርትታትን መጽሓፍ ቅዱስ ርጡብ ምርዳእ ኪህልዎም ትደሊዶ፧ እታ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ መጽሔት ንቕሑ! ገጽ 31 እትወጽእ “እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧” ዘርእስታ ፍልይቲ ዓንቀጽ: ንዓበይቲ ይኹን ንንኣሽቱ ቓል ኣምላኽ ብዝያዳ ንኺፈልጡ ኽትሕግዞም ትኽእል እያ።—ግብ. 17:11
2. ንእተፈላለየ ኽፋላት እታ “እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ትኽእል፧
2 ነዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዝበለጸ ኽትጥቀመላ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ናይ ጥሪ 2006 ሕታም ንቕሑ! እዚ ዚስዕብ ሓሳባት ትህብ:- “ንገጽ 31 ግዜ ወሲድካ ርኣያ . . . ገሊኡ ኽፋላት እታ ገጽ ንንኣሽቱ ኣንበብቲ ዚስሕብ እዩ፣ እቲ ኻልእ ከኣ ንናይ ምዝካር ክእለት እቶም ዝያዳ ፍልጠት ዘለዎም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብድህ እዩ። እቲ ‘ኣበየናይ እዋን፧’ ዚብል ክፋል: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ገጸ-ባህርያትን ዓበይቲ ፍጻመታት እተፈጸሙሉ እዋንን ዜርኢ መስርዕ ግዜ ንኽትሰርሕ ኪሕግዘካ እዩ። ነቲ ‘ካብዛ ሕታም እዚኣ’ ዚብል ክፋል ዚኸውን መልስታት ኣብ እተፈላለየ ገጻት እታ መጽሔት ዚርከብ እኳ እንተ ዀነ: መልሲ መብዛሕትኡ እቲ ኻልእ ሕቶታት ግን ኣብታ ሕታም ኣብ እተመርጸት ገጽ ተገምጢሉ ተጻሒፉ ይርከብ። ነቲ መልስታት ቅድሚ ምርኣይካ ንምንታይ ምርምር ዘይትገብር፧ ድሕሪኡ ድማ ነቲ እተመሃርካዮ ንኻልኦት ንምንታይ ዘይተካፍሎም፧ ነዛ ‘እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧’ ዘርእስታ ሓዳስ ዓንቀጽ እዚኣ ኣብ መጽናዕቲ ስድራቤት ወይ ብጕጅለ ኣብ ዚግበር ምይይጥ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከይተረፈ ኸም መሰረት ክትጥቀመላ ትኽእል ኢኻ።
3. ገሊአን ስድራቤታት ካብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብኸመይ ተጠቒመን፧ ንዓኻኸ ኣውራ ደስ ዚብለካ ኽፋል ኣየናይ እዩ፧
3 ብዙሓት ስድራቤታት ነዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተሓጒሰን ከም መሰረት መጽናዕቲ ስድራቤት ይጥቀማላ ኣለዋ። ሓንቲ ኣደ: “ኣነን ሰብኣየይን ነቲ ‘ንቘልዑ ዚኸውን ምንዳይ ስእሊ’ ዚብል ክፋል ኣብቲ ምስታ ጓል ሰለስተ ዓመት ጓልና እንገብሮ መጽናዕቲ ስድራቤት ክንጥቀመሉ ጽቡቕ ምዃኑ ሓሰብና። ጓልና ናታ ቕዳሕ ንቕሑ! ኣውጺኣ ነታ እትደልያ ኽሳዕ እትረክብ ነፍሲ ወከፍ ገጽ ብህንጥዮት ክትግንጽል ክንርእያ ኸለና ብዙሕ ኢና እንሕጐስ” ኢላ ጸሓፈት። ሓደ ኣብ ብራዚል ዚነብር ኣቦ: “ኣነን ወዲ ሸውዓተ ዓመት ወደይን ነዛ ኣብ ንቕሑ! እትርከብ ዓንቀጽ እዚኣ ኣዚና ኢና እንፈትዋ። ንሞይዘዝ ኣቓልቦ ንኺገብር: ጥቕስታት ንኺግንጽል: ትርጕም ስእልታት ንኺግንዘብ: ከምኡውን ዕለታት ንኺርዳእ ሓጊዛቶ እያ” በለ። ጓል ሸሞንተ ዓመት ኣሽሊ: “ነዛ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ንቕሑ! እትርከብ ‘እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧’ ዘርእስታ ዓንቀጽ ብምውጻእኩም አመስግነኩም። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ እያ ምሂራትኒ” ኢላ ጸሓፈት።
4. ሓንቲ ስድራቤት ነዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸም ክፍሊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስድራቤት ብኸመይ ከተጽንዓ ትኽእል፧
4 ሓድሓደ ግዜ ነዛ “እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ከም ክፋል መጽናዕቲ ስድራቤትካ ንምንታይ ዘይትመያየጠላ፧ ነቲ ኸቢድ ሕቶታት ዚኸውን መልሲ ንምድላይ: ኢንደክስ ወይ ኣብ ሲዲ-ሮም ዚርከብ ዎች ታወር ላይብረሪ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ። በዚ ኸምዚ ንደቅኻ ብኸመይ ምርምር ከም ዚግበር ትምህሮም። ዕብይ ዝበሉ ደቂ እንተ ኣልዮምኻ: ቅድሚ መጽናዕቲ ስድራቤት ነቲ ኣብ “ኣነ መን እየ፧” ወይ “ኣበየናይ እዋን፧” ዚብል ክፋላት ዘሎ ሕቶታት ዚኸውን መልሲ ንምርካብ ምርምር ኪገብሩ ንምንታይ ዘይትነግሮም፧ ድሕሪኡ ውጽኢት ምርምሮም ኣብ እዋን እቲ መጽናዕቲ ኼካፍሉኹም ይኽእሉ እዮም። ነዚ ገጽ እዚ ብውጽኢታዊ መገዲ ምጥቃም: ወለዲ ንደቆም ቃል ኣምላኽ ኬስርጹሎምን ካብ ሕጻንነቶም ኣትሒዞም “ቅዱሳት ጽሑፋት” ኬፍልጥዎምን ዜኽእሎም ሓደ መገዲ እዩ።—2 ጢሞ. 3:15፣ ዘዳ. 6:7