ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኣተኵሮ ምግባር
1. መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ መጀመርታ ንመን ተባሂላ እያ ተዳልያ: እታ ዘ ጎልደን ኤጅ እትበሃል መጽሔትከ፧
1 ዘ ጎልደን ኤጅ (ወርቃዊ መዋእል) እትበሃል መጽሔት ብ1 ጥቅምቲ 1919 እያ ኽትሕተም ጀሚራ። ኣብ ዕዮ ስብከት ኣዝያ ጠቓሚት ምዃና ድማ ኣመስኪራ እያ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ንዅሉ ሰብ ተባሂላ እያ ተዳልያ። እታ ንብዙሕ ዓመታት ነቶም “ሒደት መጓሰ” ተባሂላ ኸም እትዳሎ ጌርካ እትርአ ዝነበረት መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ግን ንዅሉ ሰብ ተባሂላ ኣይኰነትን እትዳሎ ነይራ። (ሉቃ. 12:32) እቲ ንሓያሎ ዓመታት እተራእየ ዝርጋሐ ናይዛ ዘ ጎልደን ኤጅ እትበሃል መጽሔት ካብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ኣዝዩ ሰፊሕ ብምዃኑ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነዛ ሓዳስ ጽሕፍቲ እዚኣ ብውዕዉዕ መንፈስ ከም እተቐበልዋ ዜርኢ እዩ።
2. እታ ዘ ጎልደን ኤጅ እትበሃል ዝነበረት መጽሔት ሎሚ እንታይ ተባሂላ ትጽዋዕ ኣላ: ካብ ፈለማ ኣትሒዙኸ ዕላማኣ እንታይ እዩ ነይሩ፧
2 መጽሔት ዘ ጎልደን ኤጅ ንግድላት ደቅሰብ ናይ ሓቂ መፍትሒ ዜምጽእን ናብቲ ወርቃዊ መዋእል ዚመርሖምን ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ ምዃኑ እያ እትገልጽ። እዛ መጽሔት እዚኣ ኽትሕተም ካብ እትጅምር ኣትሒዛ መምስ ግዜኡ ሓያሎ ምትዕርራያት ተገይሩላ እዩ። ብ1937 ስማ ናብ ኮንሶሌሽን (ምጽንናዕ) ተቐየረ። ብ1946 ድማ ናብቲ ዅልና እንፈልጦ ኽሳዕ ሕጂውን እትጽውዓሉ ዘላ ንቕሑ! ዚብል ስም ተቐየረ።
3. መጽሔት ንቕሑ! ነየናይ ትንቢት ኣብ ምፍጻም እያ ሓያል መሳርሒት ኰይና እተገልግል ዘላ፧
3 እዛ መጽሔት እዚኣ ኽትወጽእ ካብ እትጅምር ኣትሒዛ: ኣብቲ ኻብ 1919 ኣትሒዙ ዚግበር ዘሎ ዕዮ ምስክርነት ዓብዪ ግደ ኸተበርክት ጸኒሓ እያ። (ማቴ. 24:14) ይኹን እምበር: ንህጹጽነት እዚ እንነብረሉ ዘለና ግዜ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ መጽሔት ንቕሑ! ተወሳኺ ምትዕርራያት ምግባር ጥበባዊ ዀይኑ ተረኺቡ ኣሎ።
4. (ሀ) ሓደ ሰብ ካብ “መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር” ምእንቲ ኺሕባእ እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧ (ለ) ብመሰረት ራእይ 14:6, 7 እቲ ‘ኣብ ማእከል ሰማይ ዚዝምቢ መልኣኽ’ ኵሎም ሰባት እንታይ ኪገብሩ እዩ ዚጽውዕ ዘሎ፧
4 መጽሔት ንቕሑ! ብዙሕ ዓለማዊ ኣርእስትታት ስለ እትሽፍንን መሳጢ ብዝዀነ ኣገባብ ስለ እተቕርቦን ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት እዮም ዜንብብዋ። እቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚካፈሉ መብዛሕትኦም ተገደስቲ ሰባት ኣዘውቲሮም ነዛ መጽሔት እዚኣ ዜንብቡ ምዃኖም ዜጠራጥር ኣይኰነን። ገና ግን ሓደ ሰብ ካብ “መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር” ኪሕባእ ዚደሊ እንተደኣ ዀይኑ: ንጽሑፋትና ኣዘውቲሩ ኻብ ምንባብ ንላዕሊ ሓገዝ ኪደሊ ኣለዎ።—ጸፎ. 2:3፣ ራእ. 14:6, 7
5. (ሀ) መጽሔት ንቕሑ! ካብ ናይ ጥሪ 2006 ሕታማ ኣትሒዛ ብዝያዳ ኣብ ምንታይ ከተተኵር እያ፧ (ለ) ብዙሓት ሰባት እንታይ ንምግባር እዮም ኪለዓዓሉ: እዚኸ መፈጸምታ ኣየናይ ትንቢት እዩ፧
5 ስለዚ እምበኣር: መጽሔት ንቕሑ! ካብ ጥሪ 2006 ኣትሒዛ ኣተኵሮኣ ብዝያዳ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ክትገብር እያ። ኣንበብታ ንሽግራቶም ዚኸውን መፍትሒ ንምርካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪውከሱ ኸተተባብዕን መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እዋናዊ ፍጻመታት ዘለዎ ኣረኣእያ ኸተጕልሕን እያ። በዚ መገዲ እዚ: ኣንበብታ ብዛዕባ እዋናዊ ፍጻመታት ዝሓሸ ምርዳእ ኪህልዎምን እቲ ዜንብብዎ ብዛዕባ የሆዋ ዝያዳ ንኺመሃሩ ኼለዓዕሎምን ይኽእል እዩ።—ዘካ. 8:23
6, 7. (ሀ) መጽሔት ንቕሑ! ንብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ 1 ተሰሎንቄ 2:13 ዚርከብ ኣብ ግብሪ ምእንቲ ኼውዕልዎ ንኽትሕግዞም ተባሂላ ብኸመይ ክትዳሎ እያ፧ (ለ) ኣብ ወርሒ ኽንደይ ሳዕ ክትሕተም እያ: እዚ ለውጢ እዚኸ ንኽንደይ ቋንቋታት ኪትንክፍ እዩ፧
6 መጽሔት ንቕሑ! ሓፈሻዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ኣርእስትታት ምውጻኣ ኽትቅጽል እያ። ይኹን እምበር: ኣተኵሮኣ ብዝያዳ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር እያ። (1 ተሰ. 2:13) ግምቢ ዘብዐኛ ዓሚቝ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርትታት ሒዛ ስለ እትወጽእ: መጽሔት ንቕሑ! ድማ ዝያዳ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትሕዝቶ ኺህልዋ ስለ ዝዀነ: ኣብ ወርሒ ኽልተ ሳዕ ክትወጽእ ብዙሕ ኣድላዪነት ኣይኪህልዎን እዩ። ስለዚ: መጽሔት ንቕሑ! ካብ ናይ ጥሪ 2006 ሕታም ኣትሒዛ: ኣብ ወርሒ ሓንሳእ ጥራይ ክትወጽእ እያ። እዚ ምትዕርራይ እዚ: ነቲ ጽሑፋትና ንምድላውን ንምትርጓምን ንምጕዕዓዝን ዚግበር ስራሕ ኣጸቢቑ ኼፋዅሶ እዩ።
7 እዚ ለውጢ እዚ ንኣስታት 40 ሚእታዊት ዚኸውን መጽሔት ንቕሑ! እትሕተመሉ ቛንቋታት ኪጸሉ እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ቛንቋታት: መጽሔት ንቕሑ! ድሮ ኣብ ወርሒ ሓንሳእ ወይ ድማ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ሓንሳእ እያ ኽትሕተም ጸኒሓ። ኣብ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ግን ዝዀነ ይኹን ለውጢ ኣይኪህሉን እዩ።
8. ኣስፋሕቲ ንመጽሔት ንቕሑ! ምስ ግምቢ ዘብዐኛ ብሓንሳእ ገይሮም ኪዕድሉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
8 ኣስፋሕቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ሕታም ንቕሑ! ምስ ሓንቲ ሕታም ናይታ ኣብ ወርሒ ኽልተ ሳዕ እትወጽእ ግምቢ ዘብዐኛ ብሓንሳእ ኪዕድሉ ይኽእሉ እዮም። ንቕሑ! ዚዕድሉ ኣስፋሕቲ ኣብ መንጎ ወርሒ ኣቀራርባኦም ከይቀየሩ ምልእቲ ወርሒ ነታ ሕታም ኪዕድሉ ይኽእሉ እዮም።
9. መጽሔት ንቕሑ! ኣብ ዕዮ ስብከት ከመይ ዝበለ ግደ እዩ ኺህልዋ፧
9 ካብ 1919 ኣትሒዙ እዛ ብተኸታታሊ ዘ ጎልደን ኤጅ: ኮንሶሌሽን: ሕጂ ድማ ንቕሑ! ተባሂላ እትጽዋዕ ዘላ መጽሔት ኣብ ዕዮ ስብከት ዓብዪ ግደ እዩ ዘለዋ። የሆዋ ንዝርጋሐ እዛ መጽሔት እዚኣ ኺባርኽን ‘ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ቋንቋታትን’ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም እንኮ ተስፋኦም ገይሮም ንኺጽበይዋ ኽትሕግዞምን ንጽሊ።—ራእ. 7:9