ናይ ዝሓሸ ነገር ብስራት ምዝርጋሕ
1 ግምቢ ዘብዐኛ ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ብምጥባቕ ን117 ዓመታት ኣገልጊሉ ኢዩ። ሕጂ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕታም 18,950,000 ቅዳሓት ብ125 ቋንቋታት ይሕተም ኣሎ። ንቕሑ! እውን ንነዊሕ እዋን ንቓል ኣምላኽ ተጣቢቑ እዩ: ሕጂ ኸኣ 15,730,000 ቅዳሓት ብ80 ቋንቋታት ይሕተም ኣሎ።—ምስ ቈሎሴ 1:23 ኣረኣእዮ።
2 መጽሔታት መንፈሳዊ ድልየት የማልእ:- ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ቅኑዕ ልቢ ንዘለዎም ሚልዮናት ሰባት መንፈሳዊ ድልየቶም ከማልኡ ብምሕጋዝ ጠቒምዎም ኢዩ። እምነት ዝሃንጹ ዓንቀጻት ተሓቲሞም ኢዮም። ንኣብነት: ኣብ ናይ 1 ለካቲት 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ ኣብ የሆዋን ቃሉን ናይ ምውካል ኣድላይነት ኣጽኒዕና ኢና። ናይ 1 መጋቢት 1996 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኸኣ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትሑዛት ክንከውንን ንዕኡ ምጽባይና ክንቅጽልን ኣተባቢዓትና ኢያ። እቲ ዝርዝራዊ ትምህርቲ ናይ ትንቢት ጸፎንያስ: ክንደይ ዘነቓቕሕ ኰን ኢዩ ነይሩ! ብድሕሪኡውን ኣብ ናይ 15 መጋቢት 1996 ግምቢ ዘብዐኛ እምነት ዘደልድል ናይ ክርስትያናዊ ተኣማንነት ትምህርቲ ነይሩ ኢዩ። ናይ 15 ግንቦት 1996 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ድማ: ጥቕሚ ናይ ስርዓታዊ ኴንካ ምንባብን ምጽናዕን ኣጕሊሓቶ ኢያ። እዘን ዓንቀጻት እዚአተን ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎና ምርዳእ ንኸነዕሙቕ: ከምኡውን ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ሞሳ ንኸነዕቢ ሓጊዘናና እየን።
3 ብተወሳኺ: እዞም መጽሔታት እዚኣቶም ብዛዕባ ኣምላኻዊ ጠባይ: ክርስትያናዊ ስነ-ምግባር: ከምኡውን ካልእ ኣገደስቲ ኣርእስትታት ዘለዎ እዋናውን ተግባራውን ዝዀነ ዓንቀጻት ሒዞም ይወጹ ኢዮም። ብዛዕባ እቶም ብሓቂ ንህይወትና ዝትንክፉ ግድላት ከኣ መፍትሒ ይህቡ። ከም ወጽኢት ናይዚ ኸኣ: ነቲ ኣብ ዝመጽእ ክፍጸም ዘለዎ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ዝሓሸ ነገር እናተጸበና: ሕጂ ብሉጽ ህይወት ነስተማቕር ኢና።—ኢሳ. 48:17፣ 1 ጢሞ. 6:19
4 ናይቲ ኣብ ገጽ 4 ናይ ነፍሲ ወከፍ ሕታም ንቕሑ! ተጠቒሱ ዘሎ ሓጺር ድግማ: እዚ መጽሔት እዚ ኣብ ዝዀነ ቦታ ንዘለዉ ሰባት ንኣሽቱ ይኹኑ ዓበይቲ ከንብቡዎ ዝኽእሉ ዝበለጸ ጽሑፍ ኢዩ ንኽንብል ቅቡል ምኽንያት ይህበና። ኣብኡ ከምዚ ይብል:- “ንቕሑ! ንምልእቲ ስድራቤት ፍልጠት ንምሃብ ኢዩ። ሎሚ ንዘለዉ ሽግራት ብኸመይ ከም እንዋጽኣሎም የርኢ። ዜና የተሓላልፍ: ብዛዕባ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ዘለዉ ህዝቢ ይዛረብ: ሃይማኖት ከምኡውን ስነ-ፍልጠት ይምርምር። እንተዀነ ግን ካብዚ ንላዕሊ ይገብር ኢዩ። ንህሉው ኵነታት ኣዕሚቑ ይምርምር: ከምኡውን ነቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ናይ ሓቂ ትርጕም ይሕብር፣ ይኹን እምበር ኵሉ ግዜ ካብ ፖለቲካ ገለልተኛ: ንሓደ ዓሌት ኣብ ልዕሊ ካልእ ዓሌት ድማ ኣየበላልጽን ኢዩ። እቲ ኣዝዩ ዘገድስ: እዚ መጽሔት እዚ: ኣብቲ ነዚ እኩይ: ዓመጸኛ ኣገባብ እዚ ብምልጋስ: ሰላም ዝመልኣን ውሕስነት ዘለዋን ሓዳስ ዓለም ከምጽእ ምዃኑ ዝገልጽ መብጽዓ ናይ ፈጣሪ ዘሎና እምንቶ የዕብየልና።”
5 እዞም መጽሔታት እዚኣቶም ንኻልኦት ከም ዝበጽሖም ግበር:- ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ንምዕዳል ለጋስ ኵን። (ምስ 1 ጢሞቴዎስ 6:18 ኣረኣእዩ።) ንዝዀነ ሰብ ክትረክብ ከሎኻ ምእንቲ ከተበርክቶ: ምሳኻ ቅዳሓት ይሃሉኻ። (መክ. 11:6) ኣብ ናይ ቀረባ ሕታማት ዝርከቡ ናይ እዋናውያን ዓንቀጻት ሓጸርቲ ኣቀራርባታት ብምጥቃም: ኵላትና: መንእሰያትን ሓደስቲ ኣስፋሕትን እውን ሓዊስካ: ኣብዚ ወርሒ እዚ ምሉእ ብምሉእ መጽሔታት ኣብ ምዕዳል ክንሳተፍ ንኽእል ኢና። ምስ ትሕዝቶታቶም ኣጸቢቕካ ተፋለጥ: ከምኡውን ብቕንዕናን ብዘእምንን መገዲ ገይርካ ኣበረክቶም።
6 ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ኵሉ ሰብ ዝደልዮ ሓበሬታ ኣለዎም። ነዞም መጽሔታት እዚኣቶም ምዕዳል: ካብቲ ንኻልኦት ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ክመጽእ ዘለዎ ዝሓሸ ነገር ዝገልጽ ብስራት ንኽፈልጡ ክንሕግዘሉ እንኽእል ዝበለጸ መገድታት ሓደ ኢዩ!