ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/96 ገጽ 1
  • ናይ ዝሓሸ ነገር ብስራት ምዝርጋሕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ዝሓሸ ነገር ብስራት ምዝርጋሕ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ግምቢ ዘብዐኛን ተበራበሩ!ን እዋናውያን መጽሔታት ሓቂ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • መጽሔታት ነታ መንግስቲ ይእውጅ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ነቲ መጽሔታት ተንብቦዶ ኢኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ኣብ ኣገልግሎትካ መጽሔታት ኣበርክት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 10/96 ገጽ 1

ናይ ዝሓሸ ነገር ብስራት ምዝርጋሕ

1 ግምቢ ዘብዐኛ ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ብምጥባቕ ን117 ዓመታት ኣገልጊሉ ኢዩ። ሕጂ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕታም 18,950,000 ቅዳሓት ብ125 ቋንቋታት ይሕተም ኣሎ። ንቕሑ! እውን ንነዊሕ እዋን ንቓል ኣምላኽ ተጣቢቑ እዩ: ሕጂ ኸኣ 15,730,000 ቅዳሓት ብ80 ቋንቋታት ይሕተም ኣሎ።​—⁠ምስ ቈሎሴ 1:⁠23 ኣረኣእዮ።

2 መጽሔታት መንፈሳዊ ድልየት የማልእ:⁠- ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ቅኑዕ ልቢ ንዘለዎም ሚልዮናት ሰባት መንፈሳዊ ድልየቶም ከማልኡ ብምሕጋዝ ጠቒምዎም ኢዩ። እምነት ዝሃንጹ ዓንቀጻት ተሓቲሞም ኢዮም። ንኣብነት: ኣብ ናይ 1 ለካቲት 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ ኣብ የሆዋን ቃሉን ናይ ምውካል ኣድላይነት ኣጽኒዕና ኢና። ናይ 1 መጋቢት 1996 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኸኣ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትሑዛት ክንከውንን ንዕኡ ምጽባይና ክንቅጽልን ኣተባቢዓትና ኢያ። እቲ ዝርዝራዊ ትምህርቲ ናይ ትንቢት ጸፎንያስ: ክንደይ ዘነቓቕሕ ኰን ኢዩ ነይሩ! ብድሕሪኡውን ኣብ ናይ 15 መጋቢት 1996 ግምቢ ዘብዐኛ እምነት ዘደልድል ናይ ክርስትያናዊ ተኣማንነት ትምህርቲ ነይሩ ኢዩ። ናይ 15 ግንቦት 1996 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ድማ: ጥቕሚ ናይ ስርዓታዊ ኴንካ ምንባብን ምጽናዕን ኣጕሊሓቶ ኢያ። እዘን ዓንቀጻት እዚአተን ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎና ምርዳእ ንኸነዕሙቕ: ከምኡውን ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ሞሳ ንኸነዕቢ ሓጊዘናና እየን።

3 ብተወሳኺ: እዞም መጽሔታት እዚኣቶም ብዛዕባ ኣምላኻዊ ጠባይ: ክርስትያናዊ ስነ⁠-​ምግባር: ከምኡውን ካልእ ኣገደስቲ ኣርእስትታት ዘለዎ እዋናውን ተግባራውን ዝዀነ ዓንቀጻት ሒዞም ይወጹ ኢዮም። ብዛዕባ እቶም ብሓቂ ንህይወትና ዝትንክፉ ግድላት ከኣ መፍትሒ ይህቡ። ከም ወጽኢት ናይዚ ኸኣ: ነቲ ኣብ ዝመጽእ ክፍጸም ዘለዎ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ዝሓሸ ነገር እናተጸበና: ሕጂ ብሉጽ ህይወት ነስተማቕር ኢና።​—⁠ኢሳ. 48:⁠17፣ 1 ጢሞ. 6:⁠19

4 ናይቲ ኣብ ገጽ 4 ናይ ነፍሲ ወከፍ ሕታም ንቕሑ! ተጠቒሱ ዘሎ ሓጺር ድግማ: እዚ መጽ​ሔት እዚ ኣብ ዝዀነ ቦታ ንዘለዉ ሰባት ንኣሽቱ ይኹኑ ዓበይቲ ከንብቡዎ ዝኽእሉ ዝበለጸ ጽሑፍ ኢዩ ንኽንብል ቅቡል ምኽንያት ይህበና። ኣብኡ ከምዚ ይብል:⁠- “ንቕሑ! ንምልእቲ ስድራቤት ፍልጠት ንምሃብ ኢዩ። ሎሚ ንዘለዉ ሽግ​ራት ብኸመይ ከም እንዋጽኣሎም የርኢ። ዜና የተሓላልፍ: ብዛዕባ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ዘለዉ ህዝቢ ይዛረብ: ሃይማኖት ከምኡውን ስነ⁠-​ፍልጠት ይምርምር። እንተዀነ ግን ካብዚ ንላዕሊ ይገብር ኢዩ። ንህሉው ኵነታት ኣዕሚቑ ይምርምር: ከምኡውን ነቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ናይ ሓቂ ትርጕም ይሕብር፣ ይኹን እምበር ኵሉ ግዜ ካብ ፖለቲካ ገለልተኛ: ንሓደ ዓሌት ኣብ ልዕሊ ካልእ ዓሌት ድማ ኣየበላልጽን ኢዩ። እቲ ኣዝዩ ዘገድስ: እዚ መጽሔት እዚ: ኣብቲ ነዚ እኩይ: ዓመጸኛ ኣገባብ እዚ ብምልጋስ: ሰላም ዝመልኣን ውሕስነት ዘለዋን ሓዳስ ዓለም ከምጽእ ምዃኑ ዝገልጽ መብጽዓ ናይ ፈጣሪ ዘሎና እምንቶ የዕብየልና።”

5 እዞም መጽሔታት እዚኣቶም ንኻልኦት ከም ዝበጽሖም ግበር:⁠- ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ንምዕዳል ለጋስ ኵን። (ምስ 1 ጢሞቴዎስ 6:⁠18 ኣረኣእዩ።) ንዝዀነ ሰብ ክትረክብ ከሎኻ ምእንቲ ከተበርክቶ: ምሳኻ ቅዳሓት ይሃሉኻ። (መክ. 11:⁠6) ኣብ ናይ ቀረባ ሕታማት ዝርከቡ ናይ እዋናውያን ዓንቀጻት ሓጸርቲ ኣቀራርባታት ብምጥቃም: ኵላትና: መንእሰያትን ሓደስቲ ኣስፋሕትን እውን ሓዊስካ: ኣብዚ ወርሒ እዚ ምሉእ ብምሉእ መጽሔታት ኣብ ምዕዳል ክንሳተፍ ንኽ​እል ኢና። ምስ ትሕዝቶታቶም ኣጸቢቕካ ተፋለጥ: ከምኡውን ብቕንዕናን ብዘእምንን መገዲ ገይርካ ኣበረክቶም።

6 ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ኵሉ ሰብ ዝደልዮ ሓበሬታ ኣለዎም። ነዞም መጽሔታት እዚኣቶም ምዕዳል: ካብቲ ንኻልኦት ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ክመጽእ ዘለዎ ዝሓሸ ነገር ዝገልጽ ብስራት ንኽፈልጡ ክንሕግዘሉ እንኽእል ዝበለጸ መገድታት ሓደ ኢዩ!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ