ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/98 ገጽ 1
  • ነቲ መጽሔታት ተንብቦዶ ኢኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቲ መጽሔታት ተንብቦዶ ኢኻ፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ኣገልግሎትካ መጽሔታት ኣበርክት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ግምቢ ዘብዐኛን ተበራበሩ!ን እዋናውያን መጽሔታት ሓቂ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • መጽሔታት ነታ መንግስቲ ይእውጅ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ናይ ሰባት ፍሉይ ተገዳስነት ንምርካብ ዓንቀጻት ምረጽ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
km 10/98 ገጽ 1

ነቲ መጽሔታት ተንብቦዶ ኢኻ፧

1 ኣብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ሰብኣይን ሰበይትን ሰብ ሓዳር ሚስዮናውያን: ብዛዕባ መጽሔታትና ከምዚ ዝስዕብ ይብሉ:- “ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ዞባና ብመንፈሳዊ ንቑሓት ንኽንከውን ሓጊዙና ኢዩ። ካብ ነፍሲ ወከፍ ሕታም ምትብባዕን ሓይልን ንረክብ ኢና።” ንስኻኸ ንመጽሔታትና ከምዚ ዝኣመሰለ ዓሚቝ ሞሳዶ ተርኢ ኢኻ፧ ንኸተንብቦምከ ሃንቀውዶ ትብል ኢኻ፧

2 ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ክንበብ ዝከኣል ኣብ መጽሔት ዘሎ ሓደ ዓንቀጽ: ንኽትዳለወሉ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል ኢዩ። እዚ ብምፍላጥ: ነቲ ዓንቀጻት ላዕሊ ላዕሊ ጥራይ ብምንባብ: ስእልታት ብምርኣይ: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ኣቓልቦኻ ዝሰሓበ ዓንቀጽ ብምንባብ ዲኻ እትሓልፎ፧ ካብዚ ንላዕሊ እንተ ገይርና መስተውዓልቲ ኢና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ መጽሔታትና ሕታም ዝወጽእ ኵሉ ዓንቀጻት ግዜ ወሲድና ከነንብቦን ክንምርምሮን ኣሎና። ግምቢ ዘብዐኛ መንፈሳዊ መግቢ ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ እንረኽበሉ ቀንዲ መጽሔት ኢዩ። ንቕሑ! ኸኣ ብዛዕባ እተፈላለየ ኣርእስትታት ባህ ዘብልን ፍልጠት ዝህብን ዓንቀጻት ይርከቦ። ነዞም መጽሔታት እዚኣቶም ብምንባብ እንማሃሮ ነገር ብመንፈሳዊ የበርትዓና ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ኣገልግሎትና ዝያዳ ፍረ ዘለዎ ግደ ንኽህልወና የዕጥቐና ኢዩ። ነቲ መጽሔታት ብዘይምቍራጽ ብዝግባእ ነንብቦ እንተድኣ ዄንና: ንኻልኦት ክንዕድሎውን ውዕዉዕ ስምዒት ክህልወና ኢዩ።

3 ናይ ምንባብ ልምዲ እተመሓይሸሉ መገድታት:- መጽሔታት ብቐጻሊ ኣብ ምንባብ ዘሎካ ልምዲ ከተመሓይሽዶ ምኸኣልካ፧ ብዙሓት ሓጋዚ ኰይኑ ዝረኸብዎ ክልተ ርእይቶታት እንሆ። (1) ስርዓታዊ ናይ ንባብ መደብ ግበር። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ 10 ወይ 15 ደቓይቕ ብምምዳብ ጥራይ: ኣብ ሰሙን ክንደይ ከተንብብ ከም እትኽእል ክትግረም ኢኻ። (2) ነቲ ዘንበብካዮ ምልክት ናይ ምግባር ኣገባብ ይሃሉኻ። ንኣብነት: ከተንብብ ከሎኻ ኣብ መጀመርታ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዓንቀጽ ምልክት ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ከምዚ እንተ ዘይገይርካ ግን ገለ ዓንቀጻት ወይ ከአ ምሉእ መጽሔትውን ከይተረፈ ከየንበብካዮ ክትሓልፍ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ዝሳማማዕ ናይ ንባብ መደብ ክትገብርን ጠቢቕካ ክትስዕቦን ኣድላዪ ኢዩ።​—⁠ምስ ፊልጲ 3:⁠16 ኣረኣእዮ።

4 እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ንሰባት ዘድልዮም ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው ብጥበብ ምስ እዚ ዝቀያየር ዘሎ ግዜ ዝሰማማዕ ዓንቀጻት የዳሉ ኣሎ። (ማቴ. 24:⁠45) ብሓቂ እዞም መጽሔታት እዚኣቶም ንህይወትና ጽልዋ ይገብርሉ ኢዮም። እቲ እንገብሮ መንፈሳዊ ዕቤት ብቐንዱ በቲ መንፈሳዊ ነገራት ኣብ ምንባብ ዘሎና ልምዲ ኢዩ ዝውሰን። ነቶም ግዜ መዲቦም ንዅሉ እቲ መጽሔታት ዘንብቡ ሰባት ዓቢ መንፈሳዊ በረኸት ይጽበዮም ኣሎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ