ፓይነራት ንኻልኦት ኣስፋሕቲ ይሕግዙ
1 የሱስ ከምዚ በለ:- “እኽሊ ብዙሕ እዩ: ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ: ለምንዎ።” እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ዓየይቲ ሒደት ስለ ዝነበሩን ዝሽፍንዎ ሰፊሕ ዞባ ስለ ዝነበሮምን: ነቲ ብስራት ብእተኻእለ መጠን ኣስፊሖም ንኸብጽሕዎ የሱስ በብሓደ ገይሩ ብምስዳድ ክእዝዞም ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ኣብ ክንድኡ ግን: ‘በብኽልተ ገይሩ ለኣኾም።’ (ሉቃ. 10:1, 2) በብኽልተ ገይሩ ዝለኣኾም ስለምንታይ ኢዩ፧
2 እዞም ደቀ መዛሙርቲ እዚኣቶም ሓደስትን ተመክሮ ዘይብሎምን ኢዮም ነይሮም። ብሓንሳእ ኰይኖም ብምዕያይ ኣብ ንሓድሕዶም ክማሃሃሩን ክተባብዑን ይኽእሉ ነበሩ። ከምቲ ሰሎሞን ዝበሎ ድማ “ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሐይሽ።” (መክ. 4:9, 10) ድሕሪ እቲ መንፈስ ቅዱስ እተቐበልሉ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. እውን እንተዀነ: ጳውሎስን በርናባስን ካልኦትን ምስ ኣመንቲ ብጾት ኰይኖም ኣብቲ ኣገልግሎት ዓዮም ኢዮም። (ግብ. 15:35) ገሊኦም ካብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ክኢላታት ሰብኡት ብብሕቶም ክለማመዱስ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ ነይሩ ክኸውን ዝኽእል!
3 ሰናይ ዝዀነ ናይ ምልምማድ መደብ:- እዛ ዘመናዊት ናይ ክርስትያን ጉባኤ ልክዕ ከምታ ናይ ቀዳማይ ክፍለ- ዘበን ሕጂውን ዕዮ ስብከት እትፍጽም ማሕበር ኢያ። እዛ ማሕበር እዚኣ ልምምድ እውን ተዳልወልና ኢያ። ብውልቀ-ሰብ ደረጃ: ልባዊ ባህግና ብእተኻእለ መጠን ነቲ ብስራት ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ምብጻሕ ክኸውን ኣለዎ። ሓያሎ ኣስፋሕቲ ክእለቶም ከመሓይሹ ምእንቲ ክኽእሉ: ሓገዝ ተዳልዩ ኣሎ።
4 ማሕበር ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ እተኻየደ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ: ፓይነራት ንኻልኦት ኣስፋሕቲ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዝሕግዝሉ መደብ ተዳልዩ ከም ዘሎ ኣፍለጠት። እዚ መደብ እዚ ግን ኣድላዪ ድዩ፧ እወ ኣድላዪ ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ኣስፋሕቲ ተጠሚቖም ኢዮም። መብዛሕትኦም ኣብቲ ዕዮ ስብከት ዝያዳ ኣስለጥቲ ንኽዀኑ ልምምድ የድልዮም። ነዚ ልምምድ እዚ ንምሃብ ክሕግዝ ዝኽእል መን ኢዩ፧
5 ናይ ምሉእ ግዜ ፓይነራት ክሕግዙ ይኽእሉ ኢዮም። ማሕበር የሆዋ ንፓይነራት ብዙሕ ምኽርን ልምምድን ትህቦም ኢያ። ፓይነራት ኣብቲ ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሕ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ምስ ድሌታቶም ዝሰማማዕ መምርሒታት ይረኽቡ ኢዮም። ብተወሳኺውን ካብቲ ምስ ናይ ወረዳን ኣውራጃን ተዓዘብቲ ዝገብርዎ ኣኼባታትን ብሽማግለታት ዝዋሃቦም መምርሕን ይጥቀሙ ኢዮም። ሽሕ እኳ ኵሎም ፓይነራት ክንዲ ናይ ጳውሎስን በርናባስን ዝኸውን ተመክሮ ዘይብሎም እንተዀኑ: ተሓጒሶም ከካፍልዎ ዝኽእሉ ጠቓሚ ልምምድ ግን ረኺቦም ኢዮም።
6 መን ኢዩ ዝጥቀም፧ ኣብዚ መደብ እዚ ዝካፈሉ ሓደስቲ ኣስፋሕቲ ወይ ድማ ሓደስቲ እተጠመቑ ሰባት ጥራይ ድዮም፧ ኣይፋሉን! ሓቂ ካብ ዝፈልጡ ዓመታት ዘሕለፉ እሞ ኸኣ ነቲ ኣብ ገለ ገለ መዳያት ኣገልግሎት ዝዋሃቦም ሓገዝ ዘማስውሉ መንእሰያትን ብዕድመ ዝደፍኡን ኣለዉ። ገሊኦም ጽሑፋት ብምዕዳል ዝመጸ ጽቡቕ ዕዮ ይፍጽሙ ኢዮም: ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ምግባር ወይ ድማ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር ግን ጸገም ኣለዎም። ካልኦትውን ብቐሊሉ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክጅምሩ ይኽእሉ ኢዮም: ይኹን እምበር ተማሃሮኦም ዕቤት ዘይገብሩ ኰይኖም ይረኽብዎም። ዕቤት ንኸይገብሩ ዝዓግቶም እንታይ ኢዩ፧ በዚ መዳያት እዚ ዝመጸ ተመክሮ ዘለዎም ፓይነራት ንኽሕግዙ ክንሓቶም ንኽእል ኢና። ገሊኦም ፓይነራት ተገዳስነት ብምዅስኳስ: ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምጅማር: ንሓደስቲ ተማሃሮ ድማ ናብ ማሕበር ብምምራሕ ኣስለጥቲ ኢዮም። ተመክሮኦም ነዚ ሓድሽ መደብ እዚ ሓጋዚ ክኸውን ኢዩ።
7 መደብካ ኣብቲ ንግራት ኣገልግሎት ተባሂሉ ዝግበር ናይታ ጉባኤ ስርዓታዊ ኣኼባታት ከምቲ ንስኻ እትደልዮ ገይርካ ክትካፈል ዘየፍቅደልካ ኰይኑ ዲኻ እትረኽቦ፧ ሓደ ፓይነር ሓድሓደ ግዜ ኣብቲ ካልኦት ኣስፋሕቲ ዘየለውሉ እዋን ምሳኻ ዀይኑ ክዓዪ ይኽእል ኢዩ።
8 ጽቡቕ ምትሕብባር ኣድላዪ ኢዩ:- እቶም ብሕታዊ ሓገዝ ክረኽቡ ዝብህጉ ኣስፋሕቲ ኣብቲ “ፓይነራት ንኻልኦት ኣስፋሕቲ ይሕግዙ” ዝብል መደብ ንኽካፈሉ እቶም ሽማግለታት ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ምድላዋት ክገብሩ ኢዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓገዝ ክትረክብ እንተድኣ ደሊኻ: ምስቲ ንኽሕግዘካ እተመደበ ፓይነር ኣስፋሒ ተራኸብ: ንኣገልግሎት ዝኸውን ጠቓሚ መደብ ኣውጽእ: ኣብ መደብካ ድማ ጽናዕ። ኣብ ኵሉ ቆጸራኹም ተረኸብ። ብሓንሳእ ኴንኩም ክትዓዩ ከሎኹም: ነቲ ብስራት ንምስባኽ ኣስላጢ ዝኸውን መገድታት ተዓዘቦ። ገሊኡ ኣቀራርባታት ኣስላጢ ዝዀነሉ ምኽንያት መርምር። እቲ ፓይነር ኣስፋሒ ኣቀራርባኻ ንምምሕያሽ ኢሉ ዝህበካ ሓሳባት ኣቕልበሉ። ነቲ እተማሃርካዮ ነገራት ኣብ ግብሪ እናኣውዓልካዮ ምስ እትኸይድ: ኣብ ኣገልግሎት ዕቤት ከም ዝገበርካ ከተስተብህለሉ ኢኻ: ካልኦትውን ክዕዘብዎ ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 4:15 ርአ።) ንናይ እግረ- መገዲ ምስክርነት ሓዊስካ: ኣብ ኵሉ መዳያት ኣገልግሎት ብምክፋል ብእተኻእለ መጠን ብዙሕ ግዜ ብሓንሳእ ኴንኩም ዕየዩ: ኣብቲ ብሕታዊ ሓገዝ ዘድልየካ ፍሉይ መዳይ ድማ ኣድህቡ።
9 እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ በቲ እትገብሮ ዕቤት ክግደስ ኢዩ። በብእዋኑ ድማ: ካብዚ መደብ እዚ ክሳዕ ክንደይ ትጥቀም ከም ዘሎኻ ንኽዕዘብ ምስቲ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ዝመርሕ ሓው ክዘራረብ ኢዩ። እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ እውን ነታ ጉባኤ ክበጽሓ ኸሎ ክሕግዘካ ኢዩ።
10 የሆዋ ህዝቡ ክለማመዱን ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ክዳለዉን’ ይደሊ ኢዩ። (2 ጢሞ. 3:17) ነቲ “ፓይነራት ንኻልኦት ኣስፋሕቲ ይሕግዙ” ዝብል መደብ ነቶም ነቲ ቓል ናይ ምስባኽ ክእለቶም ከመሓይሹ ዝብህጉ ሰባት ንምሕጋዝ እተገብረ ሰናይ ምድላው ከም ዝዀነ ገይርካ ተመልከቶ። ኣብዚ መደብ እዚ ንኽትካፈል መሰል እንተድኣ ረኺብካ: ሞሳን ትሕትናን ሓጐስን ብምንጽብራቕ ተኻፈል።