መሪሕነት ዝወስዱ ተዓዘብቲ —ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ
1 እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ኣብ ዞባ ናይታ ጉባኤ ዝፍጸም ዕዮ ወንጌላውነት ንምዕባይ ክድግፍ ኣብ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ልባዊ ተገዳስነት ይገብር። ስለዚ ኸኣ: ነቲ ብስራት ንምስባኽ ዘሎና ሓላፍነት ንኽንፍጽም ኣብ ምሕጋዝ ዓቢ ግደ ኣለዎ። ከም ቀናእ ወንጌላዊ መጠን: ምስ ኣገልግሎት እተተሓሓዘ ጕዳያት ንምምሕዳር መሪሕነት ይወስድ። ከም ክኢላ መምህር መጠን ድማ: ኣስፋሕቲ ኣብቲ ኣገልግሎት ክእለቶም ንኸማሓይሹ በብውልቂ ይሕግዞም።—ኤፌ. 4:11, 12
2 እዚ ሽማግለ እዚ ንዕዮ ናይቶም ጽሑፋትን መጽሔታትን ዞባን ንምሓዝ እተመደቡ ኣገልገልቲ ጉባኤ ብቐጥታ ይዕዘቦ። ኣብ ወርሒ ወርሒ እንጥቀመሉ እኹል ጽሑፋትን መጽሔታትን ናይ ኣገልግሎት ቅጥዕታትን ምህላዉ ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ኣለዎ። ኣድራሻታት ናይቲ ንኸይንበጽሖ እተሓበረና ገዛውቲ ንምርካብ ነቲ ናይ ዞባ ፋይል ኣብ ዓመት ሓንሳእ ይርእዮ: ነዚ ኣባይቲ እዚ ንኽበጽሑዎ ድማ ብቑዓት ኣሕዋት ይምድብ።
3 እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ንናይ ንግድን መገድን ተሌፎንን ምስክርነት ሓዊስካ ንእተፈላለየ መዳያት ስብከት ናይ ምዕዛብ ሓላፍነት ኣለዎ። ንበዓላት ሓዊስካ: ኣብ ብምሉኡ ሰሙን ንኣገልግሎት ዝኸውን ኣኼባ ንምክያድ ጠቓሚ ምድላዋት ንምግባር ንቑሕ ኢዩ። ኣብቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ዝግበር ንጥፈት ናይ ሓቂ ተገዳስነት የርኢ። ነቶም ኣብ ኣገልግሎት ዘይስርዓታውያን ዝዀኑ ወይ ዝዛሕተሉ መንፈሳዊ ሓገዝ ንምሃብ መገድታት ይደሊ። ብዛዕባ ዕዮ ፓይነራት ዝምልከት ብንጥፈት ይግደስ: ነቲ “ፓይነራት ንኻልኦት ኣስፋሕቲ ይሕግዙ” ዝብል መደብ ድማ ይዕዘብ።
4 እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ: ናይታ ጉባኤ ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ ኣባል ብምዃኑ ኣብ ጕጅለታት ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ዝዀነ ይኹን ኣድላዪ ምትዕርራያት ንኽግበር እማመ የቕርብ። ነታ ጕጅለኻ ክበጽሓ ኸሎ ንምክፋልን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምስኡ ንምስታፍን መደብ ግበር።
5 ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ኵሎም ኣስፋሕቲ ምስቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ዝህቦ መምርሒ ብፍታው ክተሓባበሩ ኣለዎም። ከምዚ ምግባር ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ዘሎና ክእለት ንምምሕያሽን ኣብ ኣገልግሎትና ዝዓበየ ሓጐስ ንምርካብን ክሕግዘና ኢዩ።