ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/07 ገጽ 1
  • ንየሆዋ ብስድራቤት ምምላኽ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንየሆዋ ብስድራቤት ምምላኽ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንስድራ ቤታት ዚኸውን ሓገዝ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ኣባላት ስድራቤት ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ግደ ንኽህልዎም ብኸመይ ከም ዝተሓባበሩ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
  • ብመንፈስ ድልድልቲ ስድራቤት ምህናጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ስድራቤት ንወድሰብ ዘድልዮ መሰረታዊ ነገር!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
km 8/07 ገጽ 1

ንየሆዋ ብስድራቤት ምምላኽ

1 ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ: ኣባላት ስድራቤት ብዙሕ ነገራት ሓቢሮም ይዓዩ ነበሩ። ብስድራቤት መዓልታዊ ንጥፈታቶም የካይዱ: ኣውራ ድማ ንየሆዋ የምልኽዎ ነበሩ። (ዘሌ. 10:12-14፣ ዘዳ. 31:12) ሎሚ: ኣብ ብዙሕ ቦታታት ኣባላት ስድራቤት ብሓንሳብ ኰይኖም ብዙሕ ኣይዓዩን እዮም። ክርስትያናት ግን ብፍላይ ብኣምልኾ ዝመጸ: ብስድራቤት ምዕያይ ዘለዎ ጥቕሚ ይርድእዎ እዮም። እቲ መስራቲ ስድራቤት: ስድራቤታት ሓቢረን ኬምልኻኦ ኺርኢ ኸሎስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዚሕጐስ!

2 ሓቢርኩም ስበኹ:- ሓቢርካ ብስራት ምስባኽ ንማእሰር ስድራቤት የደልድሎ። ስለዚ: ሓደ ሽማግለ ምስቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋት ኰይኑ ኣብ ርእሲ ምስባኹ: ምስ ሰበይቱን ደቁን እውን ኣዘውቲሩ የገልግል እዩ። (1 ጢሞ. 3:4, 5) ገየሽቲ ሓለውቲ እውን ከይተረፈ ትሑዛት እኳ እንተ ዀኑ: ምስ ኣንስቶም ኰይኖም ዜገልግልሉ ግዜ ይምድቡ እዮም።

3 ምስ ደቆም ኰይኖም ዜገልግሉ ወለዲ: ንደቆም ወንጌላውያን ኰይኖም ንኺዓብዩ ኺሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም። እቶም ውሉዳት ነቲ ወለዶም ኣብ ኣገልግሎት ዚረኽብዎ ሓጐስን ዕግበትን ጥራይ ዘይኰነስ: ንየሆዋን ንሰባትን ዘለዎም ፍቕሪ ኺገልጹ ኸለዉ እውን ኪዕዘብዎም እዮም። (ዘዳ. 6:5-7) እቶም ውሉዳት ምስ ዓበዩ እውን ከይተረፈ ምስኦም ምግልጋል ኣገዳሲ እዩ። ካብ 15 ኽሳዕ 21 ዝዕድሚኦም ሰለስተ ኣወዳት ዘለውዎም ሰብኣይን ሰበይትን: ነቶም ውሉዳቶም ኣብ ኣገልግሎት ወትሩ የሰንይዎም እዮም። እቲ ኣቦ: “ወትሩ ገለ ነገር ንምህሮም ኢና። ነቲ ኣጋጣሚ ዜሐጕስን ዜተባብዕን ንምግባሩ ድማ ንጽዕር ኢና” በለ።

4 ሓቢርኩም ተዳለዉ:- ስድራቤታት ንኣገልግሎት ሓቢርካ ምድላው ጠቓሚ ዀይኑ ረኺበናኦ እየን። ቈልዑ መብዛሕትኡ ግዜ ኸም ዜገልግሉ ዘለዉ ወይ ከም ሰብ ቤት ኰይኖም ምስ ኣባላት ስድራቤቶም ኣቀራርባ ኺዳለዉ ደስ እዩ ዚብሎም። ገሊኦም ድሕሪ መጽናዕቲ ስድራቤት ሒደት ደቓይቕ ወሲዶም ይለማመዱ።

5 ምስቶም እነፍቅሮም ሓቢርና ኣብ ኣገዳስን ዜዕግብን ንጥፈታት ክንካፈል ከለና ሓጐስና ይውስኽ። ኣባላት ስድራቤት ሓቢሮም ኣብ ከም ካብ ቤት ናብ ቤት: ተመላሊስካ ምብጻሕ: ከምኡውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ ዝኣመሰለ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺዓዩ ኸለዉስ ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ! እምኣርከስ: ምስ ስድራቤትካ ዄንካ ንየሆዋ ኸተምልኽ ከለኻ: ተሓጒስካ “ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል” ክትብል ትኽእል ኢኻ።—እያ. 24:15

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ