ኣባላት ስድራቤት ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ግደ ንኽህልዎም ብኸመይ ከም ዝተሓባበሩ
1 ሰብኣይን ሰበይትን ሰብ ሓዳር ከምኡውን ወለድን ውሉዳትን ብሓባር ኰይኖም ንስም የሆዋ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክውድሱ ኸለዉ ካብ ምርኣይ ንላዕሊ ባህ ዘብል ነገር እንታይ ኣሎ፧ (መዝ. 148:12, 13) ኵለን ስድራቤታት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ስርዓታውያን ኰይነን ዝካፈላሉ ጽቡቕ መደብ ክህልወን ኣለዎ። ምስ ስድራቤትካ ሓቢርኩም ኣብ ኣገልግሎት እትውዕሉላ ኣብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ መዲብኩምዶ፧ መዲብኩም እንተድኣ ዄንኩም ነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ስድራቤት እንታይ ክውጥን ከም ዘለዎ ብልክዕ ክፈልጥን ምሉእ ግደ ክህልዎን ኢዩ።—ምሳ. 21:5ሀ
2 ኣብታ እተመደበት መዓልቲ ንኣገልግሎት ቅድሚ ምኻድኩም: ነቲ እትጥቀምሉ ኣቀራርባታት ብሓባር ኴንኩም ስለምንታይ ዘይትዳለውሉ፧ ናይ ልምምድ መደባት ኣዝዩ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ኣብታ ስድራቤት ናይ ሓቂ መንፈስ ምትሕብባር ከም ዝህሉ ዝገብር ከኣ ኢዩ። ግራት ኣገልግሎት ኵሎም ኣባላት ስድራቤት ዝግደስሉን ብግቡእ ዝዳለውሉን ጕዳይ ክኸውን ከመይ ዝበለ ዓስቢ ዘለዎ ኰን ኢዩ!
3 ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ ምስ ሓንቲ ስድራቤት ኰይኑ ኣብ ምዕዳል መጽሔት ተኻፈለ። ምስ ሓንቲ ካብተን ደቆም ካብ ቤት ናብ ቤት ከገልግል ከሎ “ንኽንደይ ዝኸውን ግዜ ኢኻ ምሳይ ከተገልግል፧” ኢላ ሓተተቶ። ቀጺላ ምስ ኣቡኣ ከተገልግል ምዃና ኸኣ ገለጸትሉ። ንሳን ኣቡኣን ብሓባር ኴንካ ምግልጋል ከም ዘሐጕሶም ዘጠራጥር ኣይኰነን። ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ኣብ ሓንቲ ስድራቤት ክንጸባረቕ ዘለዎ ሰናይ መንፈስ ኰን ኢዩ!
4 ገለ ስድራቤታት ኣብ ዓመት ኣብ ሓንቲ ወርሒ ብሓባር ኰይኖም ሓገዝቲ ፓይነራት ብምዃን ከገልግሉ ይኽእሉ ይዀኑ። ወይ ከኣ እንተ ወሓደ ሓደ ኣባል ስድራቤት ብቐጻሊ ሓጋዚ ፓይነር ኰይኑ ከገልግል ወይ ስርዓታዊ ፓይነር እውን ክኸውን ይኽእል ይኸውን። ጽቡቕ ኣመዳድባን ምትሕብባርን ብምግባር ምናልባት ኵሎም ኣባላት ስድራቤት ነቲ ፓይነር ኰይኑ ዘገልግል ዘሎ ደገፎም ብምሃብ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘለዎም ግደ ክውስኽሉ ይኽእሉ ኢዮም። እታ ስድራቤት በቲ ኣብ ኣገልግሎት እትገብሮ ሰፊሕ ንጥፈታትን ካብኡ እትረኽቦ ባህ ዘብል ተመክሮታትን ብርግጽ ክትባረኽ ኢያ።—ሚል. 3:10
5 ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት ምሉእ ግደ ምስ ዝህሉ ኣባላት ስድራቤት ንሓድሕዶም ዝቀራረቡ: ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኸኣ ቀናኣትን ፍረ ዘፍርዩን ሕጉሳትን ከም ዝዀኑ ክገብሮም ይኽእል ኢዩ!—ምስ ፊልጲ 2:1, 2 ኣረኣእዮ።