ሓድሽ መደብ ኣኼባ ወረዳ
የሆዋ ኽብሪ ኺወሃቦ ዚግብኦ እዩ። ንየሆዋ እነኽብሮ ብኸመይ ኢና፧ ገሊኦም ሰባት ከምዚ ምግባር ዜጸግሞም ስለምንታይ እዩ፧ እቶም ሕጂ ንኣምላኽ ዜኽብሩ እንታይ በረኸት ኪረኽቡ እዮም፧ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2008 ዚውሰድ ኣኼባ ወረዳ ነዚ ሕቶታት እዚ ኣዕጋቢ መልሲ ኺህበሉ እዩ። “ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” ዚብል ፍረ ነገር ድማ ኪህልዎ እዩ። (1 ቈረ. 10:31) ኣብዚ ኽልተ መዓልቲ ዚወስድ ስቡሕ መንፈሳዊ ትምህርቲ እዚ እንታይ ይጽበየና ኸም ዘሎ ንርአ።
እቲ ሓላው ኣውራጃ: “ንኣምላኽ ክብሪ እንህብ ስለምንታይ ኢና፧” ከምኡውን “ኣምላኽ ዚደልዮ ብቕዓታት ብምምላእ ኣብነታውያን ኩኑ” ዚብል ርእሰ ነገር ዘለዎ መደረታት ኬቕርብ እዩ። “ንኣምላኽ ክብሪ ዚህብዎ ህዝቢ መን እዮም፧” ዚብል ህዝባዊ መደረ ኸምኡውን “ኣብ መላእ ዓለም ንየሆዋ ብሓድነት ምኽባር” ዘርእስቱ መዛዘሚ መደረ ኬቕርብ እዩ። ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት እውን ኪመርሕ እዩ። እቲ ሓላው ወረዳ ድማ: “ክብሪ ኣምላኽ ብምንጽብራቕ ተሓጐሱ:” “ነቲ ወረዳ ናብ ዜድሊ ነገራት ኣቓልቦ ምግባር:” ከምኡውን ኣብ 2 ጴጥሮስ 1:12 እተመስረተ “ኣብ ‘ሓቂ ጸኒዕኩም’ ቀጽሉ” ዘርእስቱ መደረታት ኬቕርብ እዩ። ብተወሳኺ “ኣገልግሎት ፈላምነት ንኣምላኽ የኽብር” ዘርእስቱ መደረ ኽንሰምዕ ኢና። እቲ “ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትና ንኣምላኽ ክብሪ ምሃብ” ዘርእስቱ ሓደ ኻብቲ ኣብታ ኣኼባ ዚቐርብ ክልተ ዜነቓቕሕ ዓውደ-መጽናዕትታት: ንዓሚቝ ትርጕም እቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 10:31 ዚርከብ መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት ኪምርምር እዩ። እቲ “ንየሆዋ ንምውዳስ ቅዱስ ኣገልግሎት ምቕራብ” ዘርእስቱ ዓውደ-መጽናዕቲ ንእተፈላለየ መዳያት ኣምልኾና ኪምርምር እዩ። ሰንበት ጽማቝ ሓሳባት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ጥቕሲ ዕለት ኪህልወና እዩ። ጥምቀት እውን ኪህሉ እዩ።
መብዛሕትኦም ደቅሰብ ንኣምላኽ ኣፍልጦ ምሃብ ኣብዮም እዮም። ብዙሓት ሰባት ኣቓልቦኦም ኣብ ሰብኣዊ መደባት ስለ ዜተኵር: ብዛዕባ ዕቤት የሆዋ ኣይሓስቡን እዮም። (ዮሃ. 5:44) ንሕና ግን ብዛዕባ እቲ: “ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” ዚብል ምኽሪ ግዜ ውሲድካ ምስትንታን ጠቓሚ ምዃኑ ንኣምነሉ ኢና። ኣብኡ ንኽትርከብን ካብ ኣርባዕቲኡ ኽፍለ-ግዜ ንኽትጥቀምን መደብ ግበር።