መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መስ.
“ብዙሓት ሰባት ‘ብሉይ ኪዳን’ ሓጋዚ ዝዀነ ታሪኻዊ ሓበሬታ ሒዙ ኸም ዘሎ ይኣምኑ እዮም። እቲ ኣብኡ ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓታት ግን ሎሚ ዚሰርሕ እንተ ዀይኑ የጠራጥሮም። ንስኻኸ እንታይ ትብል፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ሮሜ 15:4 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: ‘ብሉይ ኪዳን’ ንመዓልታዊ ናብራና ዚጠቕመና ምኽርን ንመጻኢ ዚኸውን ናይ ሓቂ ተስፋን ብኸመይ ከም ዚህበና ትገልጽ።”
Awake! Sept.
“ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ኣምላኽ ዜምጽኦዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ዘዳግም 32:4 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: ኣምላኽ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ኼጋጥም ዝፈቐደሉ ምኽንያት ትገልጽ። ንስድራቤትካ ብኸመይ ከተዕቍብ ከም እትኽእል እውን ትሕብር።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 መስ.
“ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ እዚኣ እንታይ ርእይቶ ኸም ዘለካ ኽፈልጥ ምደለኹ። [ዘዳግም 32:4 ኣንብብ።] ኣምላኽ ኵሉ ዚኽእልን ፍትሓውን እንተ ደኣ ዀይኑ: ኣብ ዓለም ብዙሕ ስቓይን እከይን ዘሎ ስለምንታይ ምዃኑ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ኣምላኽ: እከይ ክሳዕ ሎሚ ኪቕጽል ዝፈቐደሉ ምኽንያት ትገልጽ።”
Awake! Oct.
“እዚ ዘሎናዮ ግዜ ንቘልዑ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ሓደገኛ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዙሓት ሰባት ሎሚ ኣብቲ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ተገሊጹ ዘሎ ግዜ ንነብር ዘሎና ዀይኑ ይስምዖም። [2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: ወለዲ ንደቆም ካብቶም ጾታዊ መጥቃዕቲ ዜውርዱ ሰባት ብኸመይ ኪከላኸሉሎም ከም ዚኽእሉ ዚገልጽ ግብራዊ ሓሳባት ትህብ።”