ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/08 ገጽ 6
  • ሕቶ ሳጹን–1

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶ ሳጹን–1
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንመጽሓፍ “ፍቕሪ ኣምላኽ” መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ብኸመይ ንጠቐመላ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር—ቀንዲ መሳርሒት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ካልኦት ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ንኺእዘዙ ሓግዞም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ሳጹን ሕቶ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
km 1/08 ገጽ 6

ሕቶ ሳጹን–1

◼ ምስቶም መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮም ተገደስቲ ሰባት ኣየኖት ክልተ ጽሑፋት ኢና ኸነጽንዕ ዘሎና፧

እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምርን ንኽንመርሕን እንጥቀመላ ቐንዲ መሳርሒትና እያ። ከም ትራክት ዝኣመሰለ ኻልእ ጽሑፋት ተጠቒምና መጽናዕቲ ኸነጀምር ዘይጽላእ እኳ እንተ ዀነ: እቲ መጽናዕቲ ብእተኻእለ መጠን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ንምስግጋሩ ጻዕርታት ኪግበር ኣለዎ። በታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ጌርካ መጽናዕቲ ምጅማር ሓለፍ ዝበለ ውጽኢት ተረኺቡዎ እዩ።

እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ሓንሳእ እንተ ደኣ ወዲእኩማ እሞ እቲ ተመሃራይ ድማ ዕቤት ይገብር እንተ ደኣ ኣልዩ: እታ ንኣምላኽ ኣምልኽ እትበሃል መጽሓፍ ክትጽናዕ ኣለዋ። (ቈሎ. 2:7) ኣብ ገጽ 2 ዕላማ እታ መጽሓፍ ብኸምዚ ዚስዕብ ተገሊጹ ኣሎ:- “መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሎም እቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ዘበሉ: ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ኽቡር ሓቅታት ‘ምዕማቑን ቍመቱን እንታይ ምዃኑ ምስትውዓል’ ኪኽእሉ ይምሕጸኖም እዩ። (ኤፌሶን 3:18) ነዚ ዕላማ እዚ ኸኣ እያ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ተዳልያ። ብመንፈስ ንኽትዓብዩ በታ ናብ ህይወት እትመርሕ ቀጣን መገዲ ንኽትመላለሱ ብእኡ ኣቢልኩም ድማ ኣብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ጽድቂ ዚሰፍና ሓዳስ ዓለም ንኽትኣትዉ ኽትሕግዘኩም ተስፋ ንገብር።”

እቲ ተመሃራይ ነዘን ክልተ መጻሕፍቲ ቕድሚ ምውዳኡ ንኺጥመቕ ብቑዕ እንተ ደኣ ዀይኑ: እቲ መጽናዕቲ እታ ኻልኣይቲ መጽሓፍ ክሳዕ እትውዳእ ኪቕጽል ኣለዎ። እቲ ተመሃራይ ምስ ተጠምቀ እውን ከይተረፈ: እቲ ዚመርሕ ኣስፋሒ ሰዓታት: ተመላሊስካ ምብጻሕ: ከምኡውን መጽናዕቲ ኪቘጽር ይኽእል እዩ። እቲ ኣሰንይዎ ኣብቲ መጽናዕቲ ዚካፍል ኣስፋሒ እውን ሰዓታት ኪቘጽር ይኽእል እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ